ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብጀነራል ቡርሃን ዝምራሕ ክንፊ ሱዳን፡ ኣባልነት ኢጋድ ስሒቡ


ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወታሃደራዊ ወገን ሱዳን፡ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ፡ “ልኡላውነት ሱዳን ጥሒሱ” ብምባል ኣባልነቱ ከም ዝሰሓበ ኣፍሊጡ።

ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዘቝጸረ ግጭት፡ ሚዛን ሓይሊ ናብቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምድን ዳጋሎ (ሒሜቲ) ዝምራሕ ክንፊ ህጹጽ ወሃብ ደጋፍ’ዩ ዝዘጥጥ ዘሎ። ወግዓዊ ናይ መንግስቲ መዝነት ዘለዎ ግን ክሳብ ሕጂ እቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሚኒስትሪ ምክልኻል’ዩ ጸኒሑ።

ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቘፈ ውድብ ኢጋድ፡ ኣብቲ ንጉዳይ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድስን ንምዝታይ ንድሕሪ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ዩጋንዳ ዝገብሮ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ ንጀነራል ዳጋሎ ምዕዳሙ፡ ነቲ ወገን ዘለዎ ጸብለልታ’ውን የዕብዩ ኣሎ።

ሒመቲ ገለ ካብ ኣባላት ውድብ ኢጋድ ዝርከበን ንሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ምግባሩ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ግጭት ሱዳን፡ ብሓርፋፍ ገምጋም ኣስታት 13-ሽሕ ህዝቢ ቀቲሉ ን7.5 ሚልዮን ድማ ኣማዛቢሉ ምህላዉ ንምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሩ።

ኣብ 1996 ዝተመስረተ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ ንኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልን ጂቡቲን ዝሓቘፈ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG