ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣገልግሎት ሕክምና ቓዛ ወታሃደራዊ ዒላማ ዘይምዃኑ የተሓሳስብ


ኣብ ዝተሓተ ብርኩ በጺሑ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ቓዛ
ኣብ ዝተሓተ ብርኩ በጺሑ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ቓዛ

ላዕለዎት ሰብ-መዚ ውድብ ጥዕና ዓለምንን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትማሊ ሰንበት ናብ ሆስፒታል ኣል-ኣቕሳ ናይ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ብምህላዉ ቅልጡፍ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸዊዖም።

እቲ ሆስፒታል ካብ ወታሃደራዊ ዒላማታት ምዃን ክውገድ ዘዘኻኸረ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓካይም እቲ ሆስፒታል ንድሕነቶም ክሃድሙ መልእኽቲ ስለ ዝሓለፈ ዓቢ ጋግ ፈጢሩ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ሓሙሽተ ዶክተራት ነቶም ኣማኢት ዝበጽሑ ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት ዘደልዩ ተሓከምቲ ይከታተሉ ምህላዎም እቲ ጉጅለ ሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለምን ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ናይ ሰንበት ዑደቶም፡ ንሓሙሽተ ሽሕ ተሓከምቲ ከገልግል ዝኽእል ቀረባት ኣብጺሖም ምህላዎም ሮይተርስ ጠቒሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG