ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳዕሽ ሓላፍነት መጥቃዕቲ ኢራን ወሲዱ


ዝኽሪ ንግዳያት መጥቃዕቲ
ዝኽሪ ንግዳያት መጥቃዕቲ

ትማሊ ረቡዕ ዝኽሪ ኢራናዊ ኣዛዚ ነበር ቓሳም ሶሌማኒ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ንዝተፈንጀረ ክልተ ቦምባታት እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ሓላፍነት ወሲዱሉ ኣሎ።

በቲ ናይ ትማሊ ማንታ ፍንጀራታት 84 ሰባት ቀቲሉ፡ 284 ድማ ምቝሳሉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣቐዲሙ ብዝሒ ምዉታት 103 ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ምንቅስቓስ ብሰፊሑ ኣብ ኢራቕን ሶሪያን ዝፈለመ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ 2017 ኣብ ቴህራን ብዝግበሮ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ቀቲሉ፡ 50 ድማ ኣቝሲሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኢራን፡ ትማሊ መጥቃዕቲ ስም ከይጠቐሰት “ብግብረ-ሽበራውያን” ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክትብል’ያ ገሊጻ ነይራ። እስላማዊ ጉጅለ ሓላፍነት ድሕሪ ምውሳዱ’ውን ዛጊት ግብረ-መልሲ ኣይሃበትን።

እቲ ኣብ ንምስረታ እስላማዊት ሃገር ዝምጕት ኣብ 2014 ዝጀመረ ጕጅለ፡ ኢራን ንግጭት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ረብሓኣ ተውዕሎ ኣላ ብምባል ካብ ጉዳይ ፍልስጤም ኢዳ ክትስሕብ’ውን ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ነቶም ዝበዝሑ ኣመንቲ ሺዓ ዝዀኑ ኢራናውያን፡ “መናፍቓን” ብምባል’ዩ ዝገልጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG