ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤተ-ክርስትያን ዝሃረመ መጥቃዕቲ ኣየር ኢትዮጵያ ሸሞንት ሰባት ቀቲሉ -- መሰኻኽር


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ኣብ ወረዳ ሆሮ ጉዱ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስታይን ብዝወደቐ ቦምባ ነፋሪት ሸሞንት ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ምቝሳሎም ንመሰኻኽር ኣዒንቲን ኣባላት ሰልፊ ተቓውሞን ብምጥቃስ ሮስይተርስ ኣስፊሩ።

ወሃብ-ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ነታ ዜና “ካብ ሓቂ ኣዝዩ ዝረሓቐ” ክብል ነጺጉዎ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ነበርቲ ሕርሻዊ እቶት እቲ ቤተ-ክርስትያን ንምእካብ ኣብቲ ቀጽሪ ብሮ ምሉእ ወንጌል ዝተባህለ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝተኣኻኽቡሉ ኣጋጣሚ ሰኑይ ከም ዘጓነፈ ሮይተርስ ይሕብር።

ካብ መንጎ’ቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዘገልግሉ ዲያቆንን መዝሙራን እቲ ቤተ ክህነት ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነት ብሊኔ ስዩም፣ ወሃብ-ቃል ክልል ኦሮሞያ ዝዀነ ሃይሉ ኣዱንያ፣ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለነል ጌትነት ኣዳነ ግብረ መልሲ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀንዐን።

ሓላፊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጨንፈር ኦሮሚያ ዝዀነ ባደስወ ለመሳ ግን ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከም ዝተቐበለ ንሮይተርስ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG