ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ጫድ ንውጽኢት ህዝበ-ውሳነ ከፍልጥ ይዳሎ


ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ጫድ፡ ንውጽኢት ህዝበ ውሳነ ከፍልጥ ይዳሎ`ሎ። ውጽኢት`ቲ ህዝበ ውሳነ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምላስ መገዲ ክኸፍት ትጽቢት ይግበር። ወተሃደራዊ መራሒ`ታ ሃገር ብወገኑ ንውጽኢት ህዝበ-ውሳነ ክቕበል ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ጀነራል ማሓማት እድሪስ ደቢ ድሕሪ ሓደ ዓመት ማለት ኣብ ምውዳእ 2024 ስልጣነይ ንሲቪላዊ መንግስቲ ከረክብ`የ ይብል ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን`ታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ነቶም ነቲ ድምጺ ዝሃቡ ዜጋታት እንቋዕ ሓጎሰኩም ኢሉ`ሎ።

"ሕገ መንግስታዊ ህዝበ ውሳነ ብሰላም ክዛዘም ንዘኽኣልኩም ሲቪላትን ፖለቲካዊ ተዋሳእትን እንቋዕ ሓጎሰኩም" ዝበለ ጀነራል ደቢ፡ እቲ ወፍሪ ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ብግቡእ ከም ዝተሰላሰለ ኣፍሊጡ።

86% ኣድመጽቲ ነቲ ሓዲሽ ሕገ-መንግስቲ እንተደገፉ`ኳ፡ ተቓወምቲ ጫድ ግን መብዛሕቲኦም ኣድመጽቲ ድምጾም ክህቡ ኣይክኣሉን ይብሉ። ኣስዒቦም ንጀነራል ደቢ ናብ ስልጣን ንምቅርራብ ዝተገብረ ናይ ይምሰል ረፈረንደም`ዩ ይብሉ። እቲ ወዲ 39 ጀነራል፡ ኣብኡ እድሪስ ደቢ ኣብ 2021 ድሕሪ ምሟቱ`ዩ ስልጣን ጨቢጡ።

ደቢ፡ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ምርጫ ክግበር ቃል ኣትዩ `ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ክሳብ ንዓመታ ታሕሳስ 2024 ክጸንሕ ምዃኑ ንባዕሉ ካልእ ምልክት ምዃኑ`ዮም ተቓወምቲ ዘማርሩ።

ሳሊሕ ከብዛቦ ኣብቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ጫድ ቀዳማይ ሚንስተር`ዩ፡፡ ነቲ ተቓወምቲ ዘቕርብዎ ክሲ ኣይቅበሎን።

ንሱ "ደቢ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ኩሉ ዝክኣሎ ይገብር ኣሎ ዝብል ክሲ ጌጋ `ዩ። የግዳስ እቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ነቲ ዝመጽእ ታሕሳስ 2024 ዝግበር ምርጫ ክዳለዉ ኣለዎም፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዘይድሊ ፖለቲካዊ ክርክር ግዚኦም ዘሕልፉ"ይብል።

ተቓወምቲ ግን እቲ ሓዲሽ ሕገ መንግስቲ ንመንእሰይ ጀነራል ደቢ ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 2024 ዝግበር ምርጫ ካብ ምውድዳር ዝእግዶ ኣይኮነን ክብሉ ይከራኸሩ።

ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ጫድ ክሳብ ጽባሕ ሓሙስ ጽጹይ ውጽኢት`ቲ ረፈረንደም ከፍልጥ ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ። እንተኾነ መንግስቲ ኮነ ተቓወምቲ ዝተፈለየ ውጽኢት ከም ዘይጽበዩ ይገልጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG