ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወረዳ መተማ 28 ሰባት ብዕጡቓት ተጨውዮም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ብቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣስታት 28 ሰባት ብዕጡቃት ተጨውዮም ተወሲዶም ክብሉ ነበርቲ እቲ ከባቢን ኣባላት ስድራ እቶም ዝተጨውዩን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ኣብ ወረዳ መተማ መቃ ኣብ ዝበሃል ቀበሌ ኣብ ሓደ ቤተ ከርስትያን ዝነበሩ ተማሃሮን ካብ መተማ ናብ ገደዋን ኣብ ዝወስድ መንገዲ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 16 ሰባት ኩላቶም 28 ሰባት ብዕጡቃት ሓይልታት ከም ዝተጨወዩ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያንን ቤተ-ሰብ እቶም ዝተጨውዩን ሓቢሮም ኣለው።

ኣብቲ ከባቢ ተግባር ጭውያን ቅትለትን እናገደደ ምምጽኡ ከም ዘሻቀሎም ነበርቲን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ቅማንት ገሊጾም ኣለው።

ካብ ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG