ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን፡ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝርራብ፡ ንመክሲኮ ክበጽሕ’ዩ


ንኣመሪካ ዝቐንዐ ቃፍላይ ስደተኛታት
ንኣመሪካ ዝቐንዐ ቃፍላይ ስደተኛታት

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ’ቲ ምምሕዳሮም ኣሰካፊ ተርእዮ ዝብሎ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ምስ ፕረዚደንት መክሲኮ ኣንድረስ ማኑወል ሎፐዝ ንምዝርራብ ጽባሕ ረቡዕ ናይ መንገሻ መደብ ሒዙ ኣሎ።

እዚ ዝኸውን ሓያል ማዕበል ስደተኛታት ብምኽንያት ልደት ናብ ኣመሪካ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን’ዩ።

ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ዝሓዘ ቃፍላይ፡ ብሰንበት ናብ ኣመሪካ ንምእታው ይንቀሳቐስ ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

መክሲኮ መሰጋገሪ ቪዛ ከም ዘይትህብ’ያ እትሕብር። እንተዀነ ብዙሓት ስደተኛታት ብኣውቶቡሳትን ካልእ መንገዲን በቲ ሃገር ዘሕልፎም ሕጋዊ ወረቐት ሒዞም ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ፡ 680-ሽሕ ስደተኛታት ብመንገዲ መክሲኮ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ክሰግሩ ከም ዝፈተኑ ሰብ-መዚ መክሲኮ ይገልጹ።

ኣብቲ ርክብ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣለሃንድሮ ማዮርክስን ኣማኻሪት ጸጥታ ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ሊዝ ሸርዉድ ራንደልን ክህሉዉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG