ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብምስግጋር ዘይሕጋዊያን ሰባት ዝተጠርጠረት ነፋሪት ናብ ህንዲ ተመሊሳ


ካብቶም ኣብ ፈረንሳይ ክጸንሑ ዝተገደዱ ተጓዓዝቲ
ካብቶም ኣብ ፈረንሳይ ክጸንሑ ዝተገደዱ ተጓዓዝቲ

ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ፈረንሳይ ክትጸንሕ ተገዲዳ ዝነበረት ነፋሪት መጓዓዝያ 276 ተሳፈርቲ ሒዛ፡ ሎሚ ሰሉስ ሙምባይ ህንዲ ከም ዝኣተወት ተፈሊጡ።

ሰብ-መዚ ኢሚግረሽንን ጸጥታን ነቶም ተጓዓዝቲ ቅድሚ ምፍናው ከም ዝሓተቱዎም ተሓቢሩ።

እታ ንብረት መንገዲ ኣየር ሮማኒያ ዝዀነት ነፋሪት፡ ካብ ዱባይ ዝነቐለት ኰይና፡ ብገለ ብልሽት ኣብ ፈረንሳይ ምስ ዓለበት’ያ ክትጸንሕን ብዝለዓለ ክትምርመርን ድርኺት ኰይኑ።

እታ ናብ ኒካራጓ ቀኒዓ ዝነበረ 303 ህንዳውያን ተሳፈርቲ ዝሓዘት ነፋሪት፡ ኣብ ፈረንሳይ ድሕሪ ምዕራፋ’ዩ ብምስግጋር ዘይሕጋውያን ሰባት ተጠርጢራ ክትጸንሕ ተገዲዳ።

25 ካብቶም ተጓዓዝቲ፡ ዑቕባ ንምሕታት፡ ኣብ ፈረንሳይ ክጸንሑ ምዋሳኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG