ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝርዝር ዕዳ ክኸፍላ ዘይከኣላ ሃገራት ተጸንቢራ


ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ

ንዓለማዊ ኣለቃሕታ ክትከፍሎ ዝነበራ 33 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኩፖን ዘይከፈለት ኢትዮጵያ፡ ዕደአን ዘይከፈላ ምድብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተጸንቢራ ኣላ። ፈለማ ብለበዳ ኮቪድ ጸኒሑ ድማ ብዂናት ቍጠባኣ ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ እትሕበር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ናብኡ ዘአንፍት ናይ ዘይምኽፋል መንገዲ ኣርእያ ምንባራ ኣገልግሎት ዜና ሮስይተርስ የዘኻኽር።

እቲ ልቓሓ ኣብ ታሕሳስ 11 ክኽፈል ዝነበሮ እኳ እንተኾነ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ናይ 14 መዓልታት መናውሒ ግዜ ጸኒሑዎ’ዩ። ትማሊ ሰኑይ ነቲ ዝተመደበላ ዕዳ ዘይከፈለት እምበኣር ነቲ መጠን ዕዳ ምስ ዘይከፈላ ሃገራት ኣፍሪቃ ጋናን ዛምቢያን ተጸንቢራ ምህላዋ ሮይተርስ ይሕብር።

ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ፡ ንዅለን ኣለቃሕቲ ኣካላት ብማዕረ ንምርኣይ እቲ ዝተወሰነ ዕዳ ክኸፍሉ ዘይምዃኖም ኣቐዲሞም ምልክት ሂቦም ጸኒሖም’ዮም። ምስ ኣለቃሕቲ ኣካላት ዝርርብ ይግበር ምህላዉ ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ነይራ።

ኣብዚ ጉዳይ ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቱ መብርሂ ዝሃበ ምኽትል ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ ብወገኑ፡ “ኢትዮጵያ ወለድ ልቓሕ ዘይከፈለትሉ ምኽንያት ከምኡ ንምግባር ዓቕሚ ስኢና ዘይኰነትስ ምስ ካልኦት ኣለቃሕቲ ኣብ እትግብሮ ዘላ ዝርርብ ናይ ልቓሕ እፎይታ ብኣሉታ ንኸይጸልዎ ብምባል’ዩ፡” ክብል ምላሽ ሂቡ።

ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ 2021፡ ምሕረት ዕዳ ክግበረላ ሓቲታ ነይራ’ያ። ቻይና እትርከበን ካብተን ዝዓበያ ኣለቃሕቲ ምዃነን ዝነገረለን ኣካላት ግዜያዊ ምሕረት ምግባረን ይዝከር። እንተዀነ እታ ብኸቢድ ዝቕባበ እትሳቐ ምህላዋ ዝንገረላ ሃገር፡ ድሕሪ ምስግጋር ምኽፋል ዕዳ’ውን ከተረክብ ዘይምኽኣላ ሮይተርስ ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG