ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩክሬን መዓልቲ ዝኽሪ ልደት ቀዪራ፡ ሎሚ ኣብዒላ


ዩክሬናውያን ድሕሪ መዓልቲ ልደት ምልዋጡ ክጽንብሉ ይርኣዩ
ዩክሬናውያን ድሕሪ መዓልቲ ልደት ምልዋጡ ክጽንብሉ ይርኣዩ

ኣብ ዩክሬን ዕለት ልደት ዝኽበረሉ፡ ካብ ጥሪ 7 ናብ ታሕሳስ 25 ድሕሪ ምቕያሩ፡ ዩክሬናውያን ኦርቶዶክስ ክርስትያን ሎሚ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንመጀመርያ ግዜ ኣብዛ ዕለት በዓል ልደት የኽብሩ`ለዉ። ሰበ-ስልጣን ዩክሬን ካብ ካላንደር ሩስያ ንምውጻእ ክብሉ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ዕለት ካብቲ ምስ ሩስያ ዘኽብርዎ ዝነበሩ ዕለት 7ተ ጥሪ ናብ ታሕሳስ 25 ኣዚሮሞ`ለዉ።

ፕረሲደንት ዩክሬን ቮሎድምር ዘለንስኪ ኣብ ዘስምዖ ናይ ልደት መደረ “ኩላትና ዩክሬናውያን ብሓደ ኢና ዘለና፡ ልደት ብሓባር ክነብዕሎ ኢና፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ከም ሓደ ስድራን ከም ሓንቲ ሃገርን ክነብዕሎ ኢና “ ኢሉ -- ብመሰረት ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ።

መብዛሕትኦም ተኸተልቲ ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ነቲ ጁልያን ካላንደር እዮም ዝኽተሉ፡ ንሱ ድማ ጥሪ 7ተ እዩ። እቲ ሎሚ ዝኽበር ዘሎ ግን ብመብዛሕትኦም ግሪጎርያን ካላንደር ዝኽተሉ ምዕራባውያን ዝኽበር`ዩ።

ዘለንስኪ ዝሓለፈ ሓምለ `ዩ ነቲ ናይ ምቕያር ሕጊ ፈሪምዎ- ኩሎም ዩክሬናውያን ንውርሻ ሩስያ ክሓድግዎ ኣለዎም ብምባል። ምስኡ `ውን ኣብ ግዜ ግዝኣት ሶቭዬት ዝነበሩ ሓውልታት ከልግሱ ኣሽማት ጽርግያታት `ውን ክቕየሩ ዝገብር`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG