ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮ/ሰ/ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ሃድያ ንዝርአ ዘሎ ብዅረት ደሞዝ ኣቓልቦ ክወሃቦ ይጽውዕ

ብሰንኪ ምቁራጽ ደሞዝ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝተዓጽዋን ልዕሊ 100 ሺሕ ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ምዃኖምን እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ብሰንኪ ምቁራጽ ደሞዝ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝተዓጽዋን ልዕሊ 100 ሺሕ ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ምዃኖምን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ማእከላይን ደቡብን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ሕዳር ደሞዞም ስለ ዘይረኸፍሎም፡ ነቲ ተግባር መርሚሩ ከም ዘረጋገጾ ዝገለጸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ግቡእ ናይ ምትዕርራይ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።

ብፍላይ ኣብ ዞባ ሃድያ፡ ብዘይካ ፖሊስን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ጽሕፈት ፍትሕን፡ ካልኦት መብዛሕቲኦም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዞም ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብሰንኪ ምቁራጽ ደሞዝ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝተዓጽዋን ልዕሊ 100 ሺሕ ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ምዃኖምን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ከምኡ `ውን 10 ማእከላት ጥዕናን 49 መፈተሺ ጥዕናን ኣገልግሎተን ከም ዝተዓናቐፈ ዝገለጸ እቲ ኮሚሽን፡ ዛጊት ፍታሕ ከም ዘይተረኽቦ ኣመልኪቱ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ሪፖርት ካብ ሰበ-ስልጣን ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን። ይኹን`ምበር ቅድሚ ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ኣመራርሓ`ቲ ከባቢ፡ እቲ ጸገም ምንባሩ ድሕሪ ምእማን፡ ምስ ክፍሊት ዘመናዊ ድኹዒ ብዝተሓሓዝ ዝተፈጥረ ናይ ባጀት ሕጽረት ምዃኑ ገሊጾም ኔሮም`ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG