ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ ንዂናት እስራኤል-ሓማስ ንምኽታም እማመ ሰላም ተቐርብ


በቲ ዘይቋርጽ ጸብዳብ መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን ንቓዛ ለቒቖም'ዮም
በቲ ዘይቋርጽ ጸብዳብ መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን ንቓዛ ለቒቖም'ዮም

ግብጺ፡ ብተዓዘብቲ “ንምትግባሩ ዝኸብድ፡” ዝተሰምየ እመመ ሰላም ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ንድፊ ምልውዋጥ እሱራት፡ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ብግምባር፡ ሓድስ መሰጋገሪ መንግስቲ ፍልስጤማውያን ንምቛም ዝእምም’ዩ።

እዚ ውጥን ሰላም ምስ ቐጠር ብምዃን ዝተዳለወ’ዩ። እቲ ንድፊ ሰላም ድማ ድሮ ንእስራኤል፡ ሓማስ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ ፈላሚ ብርኩ ምህላዉ ኣይተሳሕተን። ካብ መንጎ እቲ መረዳድኢ ነጥቢ ክስእን’ዩ ዝብል ግምት፡ እቲ ብወገን እስራኤል ዝቐርብ ዘሎ ሓሳባት’ዩ። “ንሓማስ ፈጺመ ከይደምሰስኩ ኲናት ደው ኣየብልን” ምስ እትብል ዘላ እስራኤል እዚ ንድፊ ሰላም ከመይ ከም እትቕበሎ ኣጣራጣሪ’ዩ ዘሎ።

እዚ ብግብጺ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን ሰላም፡ ክሳብ ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ዝጽውዕ’ዩ። ድሕሪኡ ካብቶም ብሓማስ ጂሆ ተታሒዞም ዘለዉ 40 ክሳብ 50 ዝበጽሑ ዜጋታት ክፍትሑ ዝሓትት ኰይኑ፡ ከም መባድልቲ እስራኤል 120-150 ዝበጽሑ ፍልስጤማውያን ናጻ ክትለቅቕ ዝእምም’ዩ።

እቲ ንድፊ ሰላም ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ናይ ክልተ ሰሙን ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣብ ዝካየደሉ፡ ግብጺን ቐጠርን ምስ በበይኖም ኣካላት ፍልስጤም ተዘራሪቦም መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ክፍተን’ዩ። እቲ ብሰብ ሞያ ዝቐውም መንግስቲ ፍልስጤማውያን፡ ንምዕራባዊ ገማግምን ወሽመጥ ቓዛን ከመሓድር ትጽቢት ይግበሮ። ፈለማ መሰጋገሪ መንግስቲ ተባሂሉ ብክኢልታት ዝቐውም መንግስቲ፡ ኣብ መወዳእታ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ፍልስጤማውያን ክምስርት ትጽቢት ይግበሮ።

መንግስቲ ግብጺ ንእማመ ሰላም ኣመልኪቱ ምስ መራሒ ሓማስ ዝዀነ እስማኤል ሃኒየ ከም ዝተዛራረበ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣስፊሩ። ነቲ ማዕከን ዜና ርእይቶ ዝሃብ ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝኾነ ዲፕሎማሰኛ ግን መንግስቲ እስራኤል ነቲ ንድፊ ሰላም ክቕበሎ ድሉው እንተዀይኑ ጥርጣረኡ የካፍል።

ንቐዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ዝሓቍፍ ካቢነ ኲናት እስራኤል ሎሚ ሰኑይ ርክብ ኣካዪዱ ኣሎ። እቲ ካቢነ ብዛዕባ ጂሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ምዝርራቡ ደኣ ይተሓበር እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ብግብጺ ዝቐረበ እማመ ሰላም ተዘራሪቡ እንተዀይኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንነውጀው ዛጊት 20,400 ፍልስጤማውያን ክቕተሉ እንከለዉ፡ እቲ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ነባሮ ዝርከቦ ወሽመጥ ቓዛ ድማ፡ ነበርቱ ሃዲሞም ዳርጋ ባዲሙ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ይሕብር።

እስራኤል፡ ድሕሪ’ቲ ናይ 7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ብዘይካ እቶም ሽዑ ዝተቐትሉ 1200 ሲቪላውያን ዜጋታትን ጅሆ ዝተወስዱ 240፡ ክሳብ ሕጂ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት 156 ኣባላት ሰራዊታ ከሲራ ኣላ።

እስራኤል ንሓማስ ከይደምሰሰትን ነቶም ገና ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ 129 ናጻ ከየልቀቐትን ከም ዘይትዓርፍ ደጋጊማ ክትሕብር ጸኒሓ’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG