ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኲናት ኣብ መላእ ቓዛ ቀጺሉ ውዒሉ


ኲናት ኣብ መላእ ቓዛ ቀጺሉ ውዒሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00

ኲናት ኣብ መላእ ቓዛ ቀጺሉ ውዒሉ

ሰበ-ስልጣን እስራኤል ንሰሙናት ወይውን ንኣዋርሕ ክቅፅል ከምዝኽእል ዝገለፅዎ መጥቃዕቲ ይቅፅል ኣብ ዘለሉ እዋን ሎሚ ለይቲ እውን ሓይሊታት እስራኤል ኣብ መላእ ቓዛ ፅዑቅ መጥቃዕቲ ኣካይዶም። እቲ ስርሒት ተኹሲ ደው ንምባል ዓለምለኸ ድፍኢት ኣብ እስራኤልን ቀንዲ መሻርኽታ ኣመሪካን ንብሕተን ደው ኣብዝበላሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ እዩ።

ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዝተላዕለ ዂናት ዛጊድ ኣብ’ታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ዝደኸየት ግዝኣት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሞትን ዕንወትን ኣስዒቡ እዩ። መብዛሕትኡ ግዝኣታ ተኸቢቡ ዝርከብ ቓዛ ኣገልግሎት ጥዕናን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛታን ዓንዮም፣ ሰራሕተኛታት ሰብ ኣዊ ሓገዝ ኣብቶም ልዕሊ ዓቅሞም ተመዛበልቲ ዝሓዙ መዕቆብታት ዝርከቡ ሰባት ምዝማት ሕማምን ሓደጋ ጥምየትን ከጋጥም ከምዝኽእል የጠንቅቁ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG