ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንስምምዕ ኣልጀርስ ዘለዎ ድጋፍ ይገልጽ


ፈረምቲ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቡታፍሊቓን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን
ፈረምቲ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቡታፍሊቓን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን

ሎሚ ተዘኪሩ ኣብ ዝውዕል መበል 23 ዓመት ስምምዕ ኣልጀርስ ምኽንያት ብምግባር፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ስምምዕ ዘለዎ ምሉእ ድጋፉ ገሊጹ። እቲ ብስም ወሃብ-ቃል እቲ ሚኒስትሪ ዝወጽአ መግለጺ፡ ክልተ ሃገራት ኣብ 2018 ንዝገበረኦ ታሪኻዊ ዝምድና ብምጥቃስ፡ ሕጂ’ውን ንግዝኣታዊን መሬታዊን ሓድነትን ሓድሕደን ተኻባቢረን ክነብራ ጸዊዑ። እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ኣመሪካ ነቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ዘለዋ ድጋፍ ብምግላጽ፡ ሕጂ’ውን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ንሰላም ብልጽግናን ክሰርሓ ጸዊዑ።

12 ታሕሳስ 2000 ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣልጀርስ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት መዛዘሚ ዝገበረ’ዩ። ክልተ ሃገራት ኣቐዲመን ብ18 ሰነ 2000 ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምግባረን ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG