ድሕሪ ወራር ዩክሬን መንገሻታቱ ኣዝዩ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ኣብ ርእሰ-ከተማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝዀነት ኣቡዳቢ ኣትዩ። ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዓብዱላሂ ቢን ዛይ ኣልናህያን ካልኦት ሰብ-መዚ እታ ሃገርን ከም ዝተቐበሉዎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ።
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናህያ ንኽብሪ ፕረዚደንት ፑቲን ሃገራዊ ኣቀባብላ ገይሩሉ ኣሎ።
ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ሸኽ ቢን ዛይድ ኣልሃንህያ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ክልተ መራሕቲ ንጉዳይ ነዳዲ፡ ቅልዋላው ማእከላይ ምብራቕን ወራር ዩክሬንን ኣመልኪቶም ምዝርራቦም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። ድሕሪ ናይ ኢማራት ጻንሖት፡ ፑቲን ኣማስያኡ ንስዑዲ ዓረብ ቀኒዑ ምስ መራሒ እታ ሃገር መሓመድ ቢን ሳልማን ክራኸብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካብ ዓለማዊ መጋብኣያ ገበን ብገበናት ኲናት ዝድለ ዘሎ ፑቲን፡ መንገሻታቱ ኣዝዩ ቆጢቡ’ዩ ጸኒሑ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ፈረመቲ እቲ ዓለማዊ መጋብኣያ ገበን ስለ ዘይኰና ግን ኣሲረን ከረክበኦ ግዴታ የብለንን።
ድሕሪ ወራር ዩክሬን፡ ፑቲን ብዘይካ ናብ ቻይናን ኢራንን መንገሻታቱ ኣብ ናይ ቀደም ሕብረት ሶቬት ዝነበረ ሃገራት ጥራይ’ዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።
ቅጥዒ