ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊቢያ ኣስታት 250 ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ኒጀርን ቻድ ሰዲዳ


ፋይል- ስደተኛታት ኣብ ሊብያ
ፋይል- ስደተኛታት ኣብ ሊብያ

ሰበስልጣን ሊቢያ ትማሊ ሰሉስ 248 ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ናብ ኒጀርን ቻድን ንምልኣኽ ምድላዎም ገሊፆም።

ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ መንግስቲ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ውድብ ስደተኛታት(IOM) ብምትሕብባር 120 ዜጋታት ኒጀር ካብ ሊቢያ ናብ ናያሚ ሰዲዶሞ ኣለው ይብል።

ምስቶም ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ዘለው ሰበስልጣን ብምትሕብባር ድማ 128 ስደተኛታት ናብ ዶብ ቻድ ክወስዱ ምዃኖም በዓል ስልጣን'ታ ሃገር ይሕብሩ።

ሊቢያ በብዓመቱ ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ክወፁ ብዝደልዩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዝውሕዙላ ሃገር እያ።

ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ሊቢያ ኣይመድ ትራበልሲ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ መስርሕ ንምስላጥ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ምስ ዞባዊ ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኦትማን በልበይሲ ተረኺቡ፡ተዘራሪቡ'ሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG