ዋሽንግተን ዲሲ —
ዝተሓደሰ-- ንኣርባዕተ መዓልታት ዝዘልቕ ምቍራጽ ተጻብኦ ሎሚ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ጕጅለ ሓማስ ኣብ ቓዛ ሒዙዎም ምጽናሖም ዝተሓበረ 13 ዜጋታት እስራኤል ለቒቑ ኣሎ። እዞም ንኣስታት ሸውዓተ ሰሙናት ተታሒዞም ዝጸንሑ ሕጂ ምልቃቖም ጸጥታን መራኸቢታትን እስራኤል ጸብጺበን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ከም ዝሓበሮ’ውን ብጕጅለ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ 10 ዜጋታት እታ ሃገር ሎሚ ተፈንዮም ኣለዉ። ሓደ ፍሊፖናዊ ዜጋ'ውን ምልቃቑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ እቶም ብሓማስ ናጻ ዝተለቐቑ ዜጋታት ታይላንድ ኣቐዲሙ 150 ምዃኖም'ዩ ኣመልኪቱ ነይሩ። ድሒሩ ግን 10 ጥራ ምዃኖም ኣመልኪቱ ኣሎ።
ኣብዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብድምሩ ሓማስ 50 ጂሆ ሒዙዎም ዝጸንሐ ክፍኑ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።
እስራኤል ብወገና 150 ፍልጤማውያን ኣብ ትሕቲኣ ዝጸንሑ እሱራት ክትለቅቕ ተሰማሚዓ ኣላ። ክብኣቶም 39 ሎሚ ዓርቢ ለቐቓ ኣላ።
እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዜጋታት ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብቲ ዝተዳለወሎም ቦታታት ከም ዝጓዓዙ ስለ ዝተገብረ፡ ዛጊት ንብሖምን ኩነታት ጥዕናኦምን ዝምልከተ ዝተማልአ ስእሊ ምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።
ቅጥዒ