ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ምፍሻል ዘተ-ሰላም ተመዛበልቲ ተስፋኦም ይበንን


ስእሊ -- ፋይል
ስእሊ -- ፋይል

ኣብ መንጎ መንግስቲን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ክግበር ዝፀንሐ ዘተ ሰላም ብዘይ-ፍረ ምዝዛሙ ከም ዘጉሃዮም ተመዛበልቲ ጎንፂ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ገሊፆም።

እቶም ኣብ ዝተፈለለየ እዋናት ብዝነበረ ጎንፂ ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ተመዛበልቲ፡ እቲ ዘተ ሰላም ብዘይ ገለ ውፅኢት ምዝዛሙ ተስፈኦም ከም ዘፀልመቶ’ዮም ዝዛረቡ። እቶም ተመዛበልቲ እቲ ዘተ ሰላም ተዓዊቱ ንሳቶም ናብ ተወሊዶ ዝዓበይሉ ተመሊሶም ናብ ስራሕቲ ልምዓት ክምለሱን ተስፋ ጌሮም ምንባሮም ብምግላፅ ሕጂ ግን ኣብ ልዕሊ ዝምለስሉ እዋን ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ይገልፁ።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒከሽን ክልል መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ወንድወሰን ግን ነቶም ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ይሰራሕ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ "ናይ ምምላሶም ጉዳይ ምስቲ ዘተ ሰላም ዘራኽቦ ነገር የብሉን፡" ክብሉ ወሲኾም።

ካብ ክልል ኦሮምያን ካልኦት ጎረባብቲ ክልላት ኣብ ዝሓላፈ 4-ዓመታት ዝተመዛበሉ ናብ ክልል ኣምሓራ ይውሕዙ ምህላዎም ናይ ሕቡራት ሃገራት ቢሮ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ኦቻ ምግላፁ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG