ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዜያዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ሓማስ-እስራኤል ሎሚ ጀሚሩ


ኣብ ምስግጋር እሱራት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ጸጥታ እስራኤልን
ኣብ ምስግጋር እሱራት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ጸጥታ እስራኤልን

ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣብ መንጎ ጕጅለ ሓማስን እስራኤልን ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ግዜዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ምውጻእን ነቶም ኣስታት 2.3 ሚልዮን ዝዀነ ነበርቲ ቓዛ፡ ፍልስጤማውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ፡ ሎሚ ዓርቢ እቲ ብዘይ ምቍራጽ ደብዳብ ሰንቢሩ ዝጸንሐ ወሽመጥ ቓዛ ዕረፍቲ ረኺቡን ስቕታ ዓሲሉዎን ኣሎ።

እስራኤል ነቲ ናብ ቓዛ ንምእታው ከልኪላቶ ዝጸንሐት ነዳዲ ፈቒዳ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ድማ ኣስታት 130-ሽሕ ሊትሮ ኣብ መዓልቲ ንምእታው ይዳለዉ ኣለዉ። ነቲ ዘሎ ጠለብ ንምምላስ ግን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሊተሮ ከም ዘድሊ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እስራኤል መብዛሕትኦም ንኣሽቱ እትብሎ ገበናት ከም እምኒ ምስንዳው ዝተኣስሩ ዝርዝር ናይ 300 ፍልስጤማውያን ኣዳልያ ኣላ--ንኽፍተሑ ዝተቐረቡ። ካብኣቶም ግን 150 ጥራይ ናጻ ክትለቅቕ ምዃና ተፈሊጡ ዘሎ።

እስራኤል ድሕሪ’ዚ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምቍራጽ ተጻብኦታት መጥቃዕቲ ክትቅጽል ምዃና ብምምልካት፡ ነቶም ናብ ደቡብ ቓዛ ግዒዞም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ናብ ሰሜን ገጾም ከይምለሱን ንሱ ምስ ዝገብሩ ድማ ግዳይ መጥቃዕቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉን ዝሕብር ጽሑፋት ኣብ ጎደናታት ዘርጊሓ ኣላ። እንተዀነ ነቲ መምርሒ ዕሽሽ ኢሎም ኣማኢት ፍልስጤማውያን ንሰሜን ገጾም ክምርሹ ተራእዮም ኣለዉ።

ናብቲ ከባቢ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ኤል ኮሀን፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምቍራጽ ተዅሲ፡ መጥቃዕቲ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ’ውን ተመሳሳሊ ዘረባ ኣእንፊቱ’ዩ--ኣቐዲሙ።

ኣብ እስራኤል ኣስታት ሸውዓተ ሽሕ ዝበጽሑ ፍልስጤማውያን ተኣሲሮም ምህላዎም ይፍለጥ። ንሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ ድማ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዝጅመር ንነጀው ዛጊት 13,300 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ኣለዉ። ጉጅለ ሓማስ ኣብቲ ፈላሚ፡ ነዚ ግጭት ዝመርሐ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ መብዛሕትኦም ቆልዓ-ሰበይቲ ዝዀኑ ኣስታት 1,200 እስራኤላውያን ቀቲሉ ንተወሳኺ 240 ድማ ጅሆ ምውሳዱ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG