ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ ምስጋና ኣመሪካ ካበይ ናበይ?


መዓልቲ ምስጋና ኣመሪካ ካበይ ናበይ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:35 0:00

መዓልቲ ምስጋና ኣመሪካ ካበይ ናበይ?

ዓመታዊ ከምዛ ሎሚ ሓሙስ 23 ሕዳር፡ ኣመሪካውያን መዓልቲ ምስጋና የብዕሉ። እዚ ዕለት ኣብ 1621 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ነቲ ፈለማ ደቀባት ኣመሪካ ምስቶም ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመጽኡ ሰፋሮ ብሓባር ዝጸንበልሉ’ዩ።

እዚ ስፍራ ፕሊሞዝ ማሳቹተስ’ዩ። ፈለማ እቲ ጽንብል መዓልቲ ምስጋና (Thanksgiving) ዝተፈጸመሉ ምዃኑ’ዩ። ካብዚ ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ ህያው ቤተ-መዘክር ይርከብ። እዚ ህሉዊ ቤተ መዘክር ድማ ነቲ ኣብ መዓልቲ ምስጋና ዝተዳለወ ጽንብል ሰኒዱ ንበጻሕቲ የካፍልን ከመይ ከም ዝተኻየደ መላሊሱ ይሕብርን።

ዳይረክተር እቲ ቤተ መዘክር ዝዀነት ማልካ በንጃሚን ደርሆ ማይ፡ ታኪንን ካልእ ኣብዚ መዓልቲ ዝቐርብ እንግዶትን ንምድላው ትሸባሸብ። “ብዙሕ ዝኽሸን’ዩ ዘሎኒ፡” ትብል ማልካ ነቶም በጻሕቲ ክትገልጽ እንከላ።

ዎምፓኖግ ዝተባህሉ ዓሌት ደቀባት፡ እቶም ፈለማ ምስቶም እንግሊዛውያን ገዛእቲ መግቢ ዝተኻፈሉ ምዃኖም ይፍለጡ። ሕጂ እምበኣር ተወካሎ ናይዞም ደቀባት ኣብዚ ምርኢት እንግዶት መዓልቲ ምስጋና ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣባል ቀቢላ ዎምፓኖግ ዝዀነት ማሊሳ ኮስታ ነቲ ምርኢት ትከታተልን ከመይ ከም ዝኸይድ ትዕዘብን። “ዎምፓኖግ ገና ኣለዉ። ዓሌት ዎምፓኖግ ዝሓለፉ ዘይኰነስ ገና ከም ዘለዉ ከርኢን ከዘኻኽርን እደሊ። ንሳቶም ጥራይ ዘይኰነስ ካልኦት ዓሌት ደቀባት’ውን ገና ህሉዋት ምዃኖም ከንዘኻኽርን ክንምህርን ኣዳልዪ’ዩ፡” ድማ ትብል

ላዕለዋይ ተመራማሪ ታሪኽ ቤተ-መዘከር ፕሊሞዝ ዝዀነ ሪቻርድ ፒከሪንግ፡ እቲ ናይ ፈለማ ጽንብል መዓልቲ ምስጋና ብሓባራዊ ምርድዳእን ዕርክነትን ምፍጻሙ ይዛረብ።

“ኣብ ፕሊሞዝ ኣብ 1621 ዝተፈጸመ እንግዶት እምበኣር ዝለዓለ መርኣያ ዲፕሎማሲ’ዩ፡” ክብል ይገልጾ።

ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ናታቶም ሕጹር (ክሉል) መንበሪ ዘለዎም ዓሌት ዎምፓኖግ ምስቶም ነጋድያን ጽቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮም ይሕበር። ነቶም ብጥሜትን ቀዝሒን ተሃስዮም ዝመጽኡ ሰፋሮ ኣተኣናጊዶም፡ ክነብሩ ሓጊዞም። ከመይ ከም ዝሓርሱን ምስቲ መሬት ከመይ ከም ዝነብሩን’ውን ኣርእዮም።

ተመራማሪ ታሪኽ እቲ ቤተ መዘከር ዝዀነ ሪቻርድ ፒከሪንግ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ሓደስቲ መጻእቲን ደቀባትን ስእነት ምትእምማንን ጽልኢን ከም ዘይነበረ ይሕብር። ከምኡ ዝመስል ትንታነ ጌጋ ምዃኑ’ውን ይምጕት።

እቶም ክልተ ወገናት ከመይን ስለምንታይን ብሓደ ንእንግዶት ቀሪቦም ዝብል ዛዕባ ገና ኣይነጸረን። ኣባል ቀቢላ ደቀባትን መምህርን ዝዀነት ፓውላ ፔተርስ ከም እትብሎ፡ ፈለማ እቶም መጻእቲ ጥይት ተኲሶም። ድሕሪኡ እቶም ደቀባት ነቲ ተዅሲ ክምርምሩ ቀሪቦም። “ድሕሪኡ፡ እቶም ደቀባት ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ከይዶም ክርእዩን ብቐረባ ክዕዘቡን መሪጾም። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝመሰሎም ኣስጋኢ ዘይምዃኑ’ውን ክርድኡ ክኢሎም። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዝኣከቡዎ ምህርቲ ይጽንብሉ ከም ዘለዉ ተረዲኦም። ድሕሪኡ ድማ ምስኣቶም ሓቢሮም ከብልዑን ከብዕሉን ወሲኖም፡” ትብል ፓውላ ፔተርስ፡ ካብ ቀቢላ ማሽፒ ናይ ዓሌት ዎምፓኖግ።

እቲ ንእንግዶት ቀሪቡ ዝነበረ ዝተለንቀጠ ዕፉንን ባልዶንጋን’ዩ። ኣብ ኒው-ኢንግላንድ ህቡብ ዝነበረ መግቢ ዱባ’ውን ነይሩ--ድሒሩ ከም ዝዝንቶ።

ተመራመርቲ ታሪኽ ኣብተን ናይ ሰለስተ መዓልታት ጽንብል እንታይ ሽሻይ ከም ዝተቐረበ ንምግማት ይፍትኑ’ዮም።

ዓሌት ዎምፓኖግ ስጋ ዑፍ ከም ዝተመገቡ ፓውላ ትኣምን። ምናልባት ታኪን (ዳክ) ድያ ካልእ ዑፍ ንምፍላጥ ከም ዘጸግም ግን ትውስኽ። ኣብቲ እዋን ኣብቶም ዓሌት ዝውቱር መግቢ ዝነበረ ፍረ ክራንበሪ ምንባሩ’ውን ፓውላ ትኣምን።

ሪቻርድ ፒከርኪንግ ብወገኑ ኣብቲ እንግዶት ዓሳ ከም ዝነበረ’ዩ ዝኣምን። ዓጋዜን’ውን ኣብቲ እንግዶት ከም ዝነበረት ፓውላ ትዛረብ።

ድሕሪ’ቲ እንግዶት ናይ ሓባር ድግስን ዘየወላውል ሓቂ ግን ኣሎ። እቶም ገዛእቲን ነጋድያንን ናብ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ ንደቀባት ኣበሳቢሶም፡ ቀቲሎምን ኣጓሳቒሎምን’ዮም።

“እቶም መጻእተኛታት መሬት ደቀባት ክወስዱ ደልዮም። ስለዚ ከኣ ካብ መሬቶም ሰጊጎሞም። በብእዋኑ ዝመጽኡ ምምሕዳራት እቶም መጻእቲ ድማ ኣንጻር ደቀባት ክሰርሑ ጀሚሮም። ድሕሪኡ ኣትሒቶም ክርእዩዎም ስለ ዝጀመሩ፡ ብዘይ ሓደ ስክፍታ መሬቶም ከሕድጉን ከበሳብሱን ጀሚሮም፡” ይብል ፒከርኪንግ።

ፈለማ ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ስደተኛታት ካብቲ ዝወርዶም ዝነበረ ሃይማኖታዊ ጭቆናን ኣድልዎን ንምህዳም’ዩ። እግሮም ምስ ኣሳፍሑ ግን እቲ ዝነበሮም ኣረኣእያን ዘህደሞም ምኽንያትን ከም ፈለማኡ ኣይቀጸለን። ነቶም ደቀባት ከመይ ከም ዝፈደዩዎም ፓውላ ፔተርስ ክትገልጽ እንከላ ድማ፤ “ንመሰል ናጽነት እምነቶም ብዙሕ መስዋእቲ’ዮም ከፊሎም። እንተዀነ ነቶም ዘዕቆቡዎም ደቀባት ተመሳሳሊ መሰል ክህቡ ኣይተራእዩን።”

ከም ብዙሓት ኣመሪካውያን ፖውላ ፔተርስን ማሊሳ ኮስታን መዓልቲ ምስጋና ምስ ስድራቤተን ተሓቛቚፈን ከሕልፈኦ ይህንጠያ። ኣብቲ ጽንብል ግን ብኣቦሓጎታተን እነዓበያተን ዝተኸፍለ መስዋእቲ’የን ክዝክራ--ትብል ወኪልና ዶራ ማካዋር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG