ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኔዘርላንድስ -- ተሪር ጸረ-እስልምና መርገጺ ዘለዎ ተወዳዳሪ ተዓዊቱ


Netherlands Election
Netherlands Election

ናይ ኔዘርላንድ ምርጫ ተዓዋታይ ጊርት ዊልደርስ ናይታ ሃገር ዶናልድ ትራምፕ ብዝብል ዝፍለጥ ፀረ እስላም ፖለቲከኛ እዩ። ዊልደርስ ብዙሕ ግዜ ካብ ጥርኑፋት እስላም ናይ መቕተልቲ መጠንቀቕቲ ተዋሂቡዎ፣ ንመሮካውያን ብምፅራፍ ዝተቐፅዐን ኣብ ሓደ እዋን ናብ ብሪጣንያ ከይኣቱ ብመንግስቲ'ታ ሃገር ዝተኣገደን እዩ ነይሩ።

ሕዚ ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ብዝለዓለ ድምፂ ተዓዊቱ ናይ ጥምረት መንግስቲ ንምምስራት ኢሉ እውን ቀፃላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘ ኔዘርላንድ ክኾን ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ትማሊ ውፅኢት ንነባር ፖለቲከኛ ዊልደርስ እውን ሃንደበት ዝኾኖ ይመስል። ዊልደርስ ምስ በሊሕ ኣንደበቱን ወርቃዊ ሕብሪ ክህልዎ ዝተገብረ ጨጉሩን ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ኣዝዩ ፍሉጥ ኣባል ፓርላማ ዘ ኔዘርላንድ እዩ። ህዝበኛ ፖሊስታቱን ዘይእዙዝ ጨጉሩን ምስ ትራምፕ ክመሳሰል ገይሩዎ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG