ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝሒ ሕሙማት ዓሶ ምውሳኹ  ተሓቢሩ 


ወሰኽ ሕማም ዓሶ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ'ውን'ዩ
ወሰኽ ሕማም ዓሶ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ'ውን'ዩ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ፀጥታዊ ሽግር እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ከባቢኡ ናይ ምቁፅፃር ስራሕ ብዘይምስራሑ፡ ብዝሒ ብዓሶ ይጥቅዑ ዘለው ሕሙማት ምውሳኹ ናይቲ ክልል ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ብ26 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ዝተዛረቡ ኣብቲ ኢንስቲትዩት ኣተሓባባሪ ኣቶ ዳመጤ ላንከር፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነፃፀር ከሎ ብዕፅፊ ወሲኹ ኣሎ ኢሎም።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ 455 ሽሕ ሕሙማት ዓሶ ተመዝጊቦም ኣለው 11 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ ኢሎም።

ዝለዓለ ሕፅረት መድሓኒት ከምዘሎ ዝገለፁ ኣቶ ዳምጤ፡ ዝርካቡ መድሓኒት ብቕልጡፍ ንምልኣኽ ምዕፃው መንገድታት ስለዘሎ ፀገም ፀጥታ ዕንቅፋት ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ደንበጫን መተማ ሆስፒታልን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሕፅረት መድሓኒት ከምዘሎ ኣረጋጊፆም ኣለው ይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG