ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"እስራኤልን ሓማስን ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበሩ ተሰማሚዖም" መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ግብጺ


ቀንዲ ኣደራዕ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝዀኑ ቆልዓ-ሰበይቲ'ዮም
ቀንዲ ኣደራዕ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝዀኑ ቆልዓ-ሰበይቲ'ዮም

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ምቍራጽ ተጻብኦ ሓሙስ ሰዓት 10፡00 ናይ ንጉሆ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ክትግበር'ዩ ክብል መንግስቲ ዝውንኖ ትካል ቴለቪዥን ግብጺ ቃሂራ ሓቢሩ። ነቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተጻብኦ ግብጺ'ያ ሸምጊላቶ።

እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ብሓማስ 7- ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ጅሆ ካብ መንጎ ዝተታሕዙ ሓያሎ ሰባት ንኽልቀቁን ዘጣጥሕ'ዩ። ብተወሳኺ እቲ ውዕል ብእስራኤል ተኣሲሮም ዝርከቡ ቭዙሓት ፍልስጤማውያን ክፍትሑን ናብ ቃዛ'ውን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱ ከኽእልን'ዩ። እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ሓሙስ ከምዝጅምር መራኸቢ ብዙሃን እስራኤል'ውን ከም ዘቃልሐኦ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብቲ ምስ ሓማስ ዝተገብረ ውዕል ዓብይ ግደ ሽምግልና ዝነበራ ቀጠር ከም ዘፍለጠቶ ዝጅመረሉ ሰዓት ረቡዕ ወይ'ውን ሓሙስ ንጉሆ ከም ዝግለጽን 50- ጀሆ ዝተታሕዙ በብእብረ ከምዝልቀቑ፣ ብለውጡ ከኣ ሓማስ 150' ዮም ዝበሎም ፍልስጤማውያን እሱራት ክፍትሑ'ዮም።

ክልቲኦም ወገናት መጀመርታ ኣንስትን ቆልዑን ከም ዝፈትሑን ብድሕሪኡ ከኣ ናብቲ ኣብ ክባ ዘሎ ግዝኣታት ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝስዕብ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ -- ብመሰረት ትካል ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG