ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮንጎ ብራዛቪል፤ ኣብ መስርዕ ንዕስክርና ብዝተፈጥረ ጽቕጥቅጥ 31 መንእሰያት ሞይቶም


መስርዕ ንዕስክርና ዝተኻየደሉ መጻወቲ ኵዕሶ
መስርዕ ንዕስክርና ዝተኻየደሉ መጻወቲ ኵዕሶ

ሰብ-መዚ ኮንጎ ብራዛቪል፡ መንእሰያት ንውትህድርና ክመዝገቡ መስርዕ ኣብ ዝሓዙሉ ብዝተፈጥረ ጽቕጥቅጥን ምፍራስ ስታድዩምን 31 ሰባት ምማቶም ገሊጾም። እቶም መንእሰያት ክመዝገቡ ኣብ መስርዕ ንሰዓታት ድሕሪ ምጽባዮም’ዮም እቲ ሓደጋ ምፍራስ ኣጋጢሙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብዝሒ ምዉታት 37 ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ሆስፒታል ብራቪዚል ግን ኣሃዝ ብዝሒ ምዉታት 31 ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ውትህድርና ካብቲ ዕድል ስራሕ ካብ ዝፈጥሩ ውሑዳት ጽላታት ኮንጎ ምዃኖም ይፍለጥ። ድሕሪ’ቲ ሓደጋ እቲ መስርሕ ክታበት ዕስክርና ንዘይተወሰነ ግዜ ክቋረጽ ተገይሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG