ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ሰላም ታንዛኒያ ኣብ ዝተቛረጸሉ ውድብ ኢጋድ ግን ትስፉው’ዩ ዘሎ


ኢጋድ / IGAD
ኢጋድ / IGAD

ኣብ ዳሬሰላም ታንዛኒያ ክካየድ ዝቐነየ ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዘይፍረ ትማሊ ሰሉስ ተበቲኑ ኣሎ። ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ክሳተፉ ዝቐነዩን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሎም ነቲ ጉጅለ ዝመርሑን ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ኤክስ ኣብ ዘስፈሩዎ ሓጺር ጽሑፍ፡ ነቲ ዝርርብ ዘየቐጸሎ ምኽንያት ጠቒሶም ነይሮም።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ርክብ ንመሬታዊ ሓድነት፡ ልኡላውነትን ናጽነትን ብዘይጻረር መንገዲ’ዩ ከካይዶ ፈቲኑ፡” ዝበሉ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣስዒቦም፡ “በቲ ካልእ ኣካል ዝነበረ ጠለብ ግን ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ብምዃኑ ከነቋርጾ ተገዲድና፡” ይብሉ። ኣምባሳድር ሬድዋን እቲ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝቐረበ መዘራረቢ ጠለባትን ዘየረዳድእ ነጥብታትን ዝበሉዎ ኣየስፈሩን።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብቲ ዘተ “ንዘላቒ ሰላም ምምሕያሽ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ክልልን ህዝቢን ኦሮሞ” ዝበሎም ነጥብታት ሒዙ ናብቲ ዘተ ምቕራቡ ጠቒሱ። ዝርዝር ናይቶም መዛተዪ ነጥብታት ግን ኣይሃበን። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ነቶም መሰረታውያን ጸረ-ሰላምን ምርግጋእን ዝዀኑ ኣዕኑዳት ዝመሚ፡ ንመሪሕነት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንምኽሳብን ኣካሉ ንምግባርን ፈቲኑ፡” ብምባል ይኸስስ። መግለጺ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ መወዳእታኡ፡ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ኣላ ካብ ዝበሎ ስእነት ምርግጋእ ንምስጋር ናጻ ትካልን ንተሓታትነት ዝሰርሕ መሪሕነት ሓላፍነት ክቕበልን ጸዊዑ።

ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ብቐረባ ክዋሳእ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝሕበር በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ’ውን እቲ ዝርርብ ምስ ተቛረጸ ብሓድሽ መንፈስ ንክቕጽል ዘለዎ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ጸሓፊ ውድብ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ብስም እቲ ውድብ ኣብ ዘውጽኡዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ክልተ ወገና ንዝዓበየ ረብሓን ህዝቢን ሃገርን ክሰርሑን ንሰላም ዘለዎም ቅሩብነት ክቕጽሉን፡” ጸዊዖም።

እቶም ጸሓፊ፡ እቲ ዘተ ሰላም ንኽቕጽል ዘለዎም ተስፋ’ውን ኣስፊሮም ኣለዉ። ውድብ ኢጋድ እቲ ዝርርብ ሰላም ክሳብ መወዳእታ ዝበጽሕ ምሉእ ምትሕብባር ክግበር ምዃኑ’ውን ኣስፊሮም ኣለዉ--ጸሓፊ ውድብ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG