ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዝርርብ ታንዛንያ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ” ኣምባ. ሬድዋን ሑሴን


Tweet of Amb. Redwan Hussien on Tanzania talks
Tweet of Amb. Redwan Hussien on Tanzania talks

ኣብ መንጎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ታንዛኒያ ክቃናዕ ዝጸንሐ ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ብዘይ ፍረ ምዝዛሙ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብኡ ክሳተፍ ዝጸንሐ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ጠቒሱ። ኣምባሳድር ሬድዋን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ትጽቢት እቲ ተዛታዪ ኣካል ካብ ክውንነት ወጻኢን ንምክዋኑ ዘይከኣልን ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ’ውን ብወገኑ ንዘላቒ ሰላም ኵሉ ፈተነታት ከም ዝገበረ፡ "እንተዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕላማኡ ንመራሕቲ እቲ ውድብ ንምርዓም ስለ ዝዀነ" ከቋርጹዎ ከም ዝተገደዱ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ መግለጺኡ፡ እታ ሃገር ኣትያቶ ካብ ዝበሎ ቅልውላው ንምውጻእ ናጻ ትካል ክመርሕ ጸዊዑ።

Letter by OLA leaders
Letter by OLA leaders

ኣብ ቀጻሊ ዝርዝር ክህልወና’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG