ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ ንቅልውላው ቓዛ ዘማእከለ ኣኼባ ብሪክስ ትመርሕ፡ እስራኤል ኣምባሳድራ ትጽውዕ


ጥምረት ብሪክስ
ጥምረት ብሪክስ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ሩስያ፡ ቻይናን ኣባል ሃገራት ብሪክስን ከምኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብቪድዮ ዝሳተፍሉ ንውግእ እስራኤልን ሓማስን ኣማእኪሉ ዝዘራረብ ኣኼባ ንሎሚ ሰሉስ ከም ዝዓደመት ኣሶሴትድ ፕረስ ኣፍሊጡ።

ዝመጽእ ጥሪ ኣባል ብሪክስ ዝኾና ስዑድያ፡ ኣርጀንቲና፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢራንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን’ውን ኣብ’ቲ መስረቲ ብሪክስ ተባሂለን ዝጽዋዕ ሕብረት ክሳተፋ እየን።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝሓበሮ ’ነቲ ኣኼባ ፕረዚደንት ሲርይል ራማፎዛ ከም ዝመርሕዎን ተሳተፍቲ መራሕቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ቓዛ ወሪዱ ኣሎ ዝብልዎ ሰብኣዊ ቅልውላው ርእይቶ ከም ዝህዝቡን ሓባራዊ መግለጺ ከም ዘውጽኡን ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ መጻኢ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምውሳን ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን፡ እስራኤል ንኣምባሳደራ ንምኽክር ክትብል ስሒባ።

እዚ ናይ ሎሚ ምስሓብ ኣምባሳደር ይኽሰት ዘሎ ድማ ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ክሳብ ምቍራጽ ተጻብኦ ዝትግበር፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኤምባሲ እስራኤል ንኽዕጾ ንዝጽውዕ ረቂቕ ከጽድቅ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣብ ዝበርትዓሉ እዋን እዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ቅነ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ዝለኣኸቶ ጽሑፍ “ኣብ ቓዛ ተፈጺሙ ዝበለቶ ጃምላዊ ህልቂት ንኽጻረ” ምሕታታ’ውን ትካል ኣሶሴትድ ፕረስ ገሊጹ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG