ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጭት ሰሜን ሽዋ ህይወት ሲቪላውያን ዜጋታት ይወስድ


ጭት ሰሜን ሽዋ ህይወት ሲቪላውያን ዜጋታት ይወስድ
ጭት ሰሜን ሽዋ ህይወት ሲቪላውያን ዜጋታት ይወስድ

ሰራዊት ናጻነት ኦሮሞ ይንቀሳቀሰሉ እዩ ኣብ ዝብሃል ከተማ ጉለሌ ሰሜን ሽዋ፡ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዝተገብረ ውግእ፡ ሰለስተ ሰላማዊያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝዋዓለ ውግእ፡ ኣብ ገዛኦም ተሓቢኦም ከምዝዋዓሉ ንቪኦኤ ዝዛረቡ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ካብ ቤቶም ምስ ወጹ ግና ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሶም።

ብሰንኪ’ቲ ተዅሲ፡ ሓረስቶም እኽሎም ክእክቡ ከም ዘይከኣሉ’ውን ሓቢሮም።

ምስኡ ብዝተኣሳሰረ ዜና፡ ኣብ ቡኖ በደሌን ኣብ ዞባታት ምዕራብ ሽዋ፡ ውግእ ከም ዝሓየለን ነበርቲ’ቲ ከባቢ ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝወደቑን እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል’ቲ ክልል ኣቶ ሃይሉ ብወገኖም "ዝሕተተሉ ዕጡቅ ሰራዊት ሸኔ እዩ" ከም ዝበሉ ወኪልና ጸሓይ ዳምጠው ዝላኣኸቶ ሪፖርት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG