ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆሰፍ ቦኣካይ ተዓዋቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ላይበርያ ኰይኑ


ዕዉት ጆሰፍ ቦኣካይ
ዕዉት ጆሰፍ ቦኣካይ

ኮሚሽን ምርጫ ላይበርያ፡ ጆሰፍ ቦኣካይ ዕዉት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩ። ኣብቲ ንኻልኣይ ዙር ዝተኻየድ ምውሃብ ድምጺ፡ ቦኣካይ ብ20,567 ጸቢብ ድምጺ’ዩ ንፕረዚደንት ጆርጅ ዊያ ስዒሩ ዘሎ።

ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ጆርጅ ዊያ፡ ስዕረቱ ተቐቢሉ ንዕዉት እንቋዕ ኣብቅዓካ ክብል ድጋፉ ገሊጹ ኣሎ። ዊያ ብዘይ ደም ምፍሳስን ዕግርግን ንስዕረቱ ምቕባሉ ብሓያሎ መጎስ ረኺቡ ኣሎ።

ክልተ ተወዳደርቲ ኣብ 2017 ኣብ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ውን ናብ ካልኣይ ዙር ምርጫ ሰጊሮም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ እዋኑ እቲ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ፍሉይ ዝናን ክብሪን ዘለዎ ጆርጃ ዊያ፡ ኣብ ካልኣይ ዙር ምውሃብ ድምጺ ብገፊሕ’ዩ ስዒሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG