ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ፡ ሃገሮም ንኣፍደገ ባሕሪ ክትብል ኣብ ኲናት ከም ዘይትኣቱ ደጊሞም ገሊጾም


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሩዎ ጻንሒት፡ ሃገሮም ንኣፍደገ ባሕሪ ክትብል ኣብ ኲናት ከም ዘይትኣቱ ደጊሞም ገሊጾም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር መብርሂ ዝሃቡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝገበሩዎ ዘረባ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ምትፍናን ድሕሪ ምፍጣሩ’ዩ።

ኣብቲ ብ13 ጥቅምቲ ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ቴለቪዥን ኣስተምህሮ፡ ህልውና ኢትዮጵያ ብታሪኻዊ መንገዲ’ውን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣመልኪቶም ነይሮም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘረባኦም፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር “ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕሪ ኢላ ናብ ኲናት ኣይክትኣቱን’ያ። ኣብ ሓባራዊ ዝርርብን መሰማምዒ ነጥብታትን ኢና እንኣምን፡” ኢሎም። ኣስዒቦም ድማ “ናብ ኲናት ከም ዘይንኣቱ ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡ ብኻልእ መንገዲን ምእኩል ኣገባብን ግን ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ካብ ምጽዓር ኣይክንቍጠብን ኢና፡” ኢሎም።

ቀ/ሚኒስተር ኣቢይ ኣብቲ ናይ ሎሚ ርክቦም’ውን ተዋጋእቲ ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ልዝብ ክቐርቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ናይ መሬት ምስሕሓብ ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ መንግስቶም ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቶም። እቲ ፍልልይ ብህዝበ-ውሳነ (ረፈረንዶም) ክፍታሕ ከም ዝምድቡ ድማ ደጊሞም ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG