ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 31 ነፈርቲ ካብ ቦዪንግ ንምግዛእ ይቀራረብ፡ ምትእምማን ይመልስ


ፍርያት ቦዪንግ
ፍርያት ቦዪንግ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣፍራዪ ትካል ቦዪንግ 31 ነፈርቲ ክገዝእ ምስምማዑ ኣፍሊጡ። 20 ካብተን ዝግዝኣ ነፈርቲ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ኣካታዒ ሓደጋ ዘጋጠማ 737 MAX ብምዃነን ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ዝጸንሐ ፍልልይ ዘጽብብ’ዩ ክብል ሮይተርስ ኣስፊሩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ብዛዕባ ምዕዳግ እተን ነፈርቲ ሎሚ ወግዓዊ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ 36 ተወሰኽቲ ነፈርቲ መጓዓዝያ ንምዕዳግ መደብ ከም ዘለዎ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ትካል ቦዪንግ ነቲ ዕድጊ፡ “ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊት እቲ ዝዓበየ መሸጣ” ክብል ገሉጹዎ ኣሎ። ዝርዝር ዋጋ ግን ኣይሃበን።

ኣብ መጋቢት 2019 ቢዪንግ ማክስ 737 ዝዓይነታ ነፋሪት ጕዕዞ ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምብጋሳ ከቢድ ሓደጋ ምግጣሙ ይዝከር። ኣብቲ ኣሕዛኒ ክስተት 157 ተጓዓዝቲን ኣብረርቲን ሞይቶም’ዮም።

ኣብ መንጎ ትካል ቦዪንግን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብዛዕባ ጕድለት ኣሰራርሓ እታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኣመልኪቱ ነዊሕ ከዛርብ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ግን ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ዝዀነ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ እቲ ዝቐደመ ስሕተት ምዕራዩ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ፡ ምዕዳጋ እዘን ሓደስቲ ነፈርቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ዘሎ ምትእምማን ዘዕቢ ምዃኑ ሓቢሩ--ከም ጸብጻብ ሮይተርስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG