ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል -- ዝናብ ህይወት 31 ሰባት ይወስድ


ኣብ ሶማልን ኬንያን ዝወድቕ ዘሎ ኣይሂ ዝናብ
ኣብ ሶማልን ኬንያን ዝወድቕ ዘሎ ኣይሂ ዝናብ

ኣብ ሶማል ዝወቕዐ ኣይሂ ዝናብ ብውሑዱ 31 ሰባት ምቕታሉ መንግስታዊ ምንጭታት ኣመልኪቶም። በቲ ዝናብ ዝተሃስዩ ከባቢ በልደወየ ዝተባህለ ኣከባቢ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ትማሊ ሰኑይ’ውን ዝወረደ ዝናብ ነበርቲ ኣዝዮም ተጸጊሞም ምህላዎም እቲ ዜና ይጠቅስ።

ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ በብእዋኑ ብዝሃርም ዘሎ ዝናብ ንኣስታት 1.2 ሚልዮን ዜጋታት ኣመዛቢሉ ምህላዉ ሚኒስትሪ ዜና ሶማል ኣፍሊጡ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ (ኦቻ) ነቲ ዝወርድ ዘሎ ሓደጋታት ዝናብ ንምሕጋዝ 25 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ኣሎ። መግለጺ ኦቻ ከም ዝሕብሮ፡ እዚ ተርእዮ ሓንሳብ ኣብ 100 ዓመታት ዘጋጥም ኰይኑ፡ ክቕጽልን ተወሳኺ ሓደጋታት ክወርድን ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።

ኣብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ’ውን ኣይሂ ዝናብ ትማሊ ሰኑይ ህይወት 15 ሰባት ምውሳዱ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG