ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማይክ ጆንሰን ኣፈ-ጉባኤ ኰይኑ ተመሪጹ


ነዊሕ ክርክር ዝተራእዮ ምርጫ ኣፈ-ጉባኤ
ነዊሕ ክርክር ዝተራእዮ ምርጫ ኣፈ-ጉባኤ

ሰልፊ ርፓብሊካን ንተሪር የመናዊ መርገጺ ዘለዎ ንማይክ ጆንሰን ናይ ልዊዛና ኣፈ-ጉባኤ ገይሮም መሪጾሞ ኣለዉ። ኣማስያኡ፡ ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ድምጺ ምሃብ፡ ጆንሰን 220 ድምጺ ብምርካቡ፡ ነቲ ድሕሪ ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነት ምውራድ ንሰለስተ ሰሙን ጥራሑ ዝጸንሐ ስፍራ መሊኡ ኣሎ።

ነቲ ቦታ ክርቍሑ ዝጸንሑ ሕጹያት ንተሪር የመናዊ መርገጺን ማእከላይ መርገጺን ዘለዎም ኣባላት እቲ ሰልፊ ኣተዓረቕቲ ብዘይ ምጽናሖም’ዮም ተደጋጋሚ ፍሽለት ክጎንፎም ጸኒሑ።

ማይክ ጆንሰን ሰለስተ ቀዳሞት ሕጹያት ዘድሊ ድጋፍ ድሕሪ ምርካቦም’ዩ ነዚ ቦታ ተረቚሑ። ጆንሰን ካብ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ድጋፍ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG