ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ደብዳብ ከቢድ ብረት ተጽዕቕ፡ መካይን ሓገዝ ብግብጺ ክኣትዋ ፍቓድ ረኺበን


ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ሓግዝ ንምብጻሕ ዝተፈቕደሎም መራሕቲ መካይን ሓጎሶም ይገልጹ
ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ሓግዝ ንምብጻሕ ዝተፈቕደሎም መራሕቲ መካይን ሓጎሶም ይገልጹ

ሎሚ ቀዳም’ውን እስራኤል ንውሽጥ ቓዛ ደጋጊማ ትድብድብ ኣላ። ጉጅለ ሓማስ ናብ ደቡባዊ እስራእኤል ዝቐንዐ ሚሳይላት ይትኵስ ምህላዉ ተፈሊጡ። ምክልኻል እስራኤል ግን ነቲ ዝትኰስ ዘሎ ሮኬታት ከም ዘበርዓኑ ይገልጹ።

ምኽፋት መተሓላለፊ ራፋ ተዛማዲ ተስፋ ሂቡ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ከኣ ኣዝዩ ወሳኒ ዝዀነ ሓገዛት ብመገዲ ግብጺ ናብ ቓዛ ንምእታው’ዩ። እንተዀነ ኣብቲ ንሳልሳይ ሰሙን ዝኸይድ ዘሎ ምልውውጣ ተዅሲ ናይ ምዕራፍ ምልክት ኣይተራእዮን።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ዛጊት ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ምቕታሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ጉጅለ ሓማስ፡ እስራኤል ብእትትኵሶ ዘላ ሮኬታት ሲቪላውያን ዜጋታት ይቕተሉ ምህላዎም የመልክት። እስራኤል ብወገና፡ እቲ ብጉጅለ ሓማስ ዝትኰስ ዘሎ ሮኬታት፡ ብሓይሊ እስራኤል ምስ ተመልሰ ናብ ቓዛ ይሃርም ምህላዉ ትሕብር። ሚኒስትሪ ምልክኻል እስራኤል ዛጊት 550 ሮኬታት ዒላማኦም ድሕሪ ምፍሻሎም ናብ ቓዛ ተመሊሶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት ይዓልቡ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ደቡባዊ እስራኤል ብዘየቋርጽ ናይ ተጠንቀቕን ሓደጋግን ድምጽታት ይቃልሓሉ ምህላዉ ተፈሊጡ። እንተዀነ ዛጊት በቶም ዝትኰሱ ዘለዉ ሮኬታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝወረደ ክሳራታት እንተልዩ ዝተፈልጠ የሎን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጽዕነት መድሃኒን ኣዝዩ ወሳኒ ሓገዝን ዝሓዛ መካይን ብመላግቦ ራፋ ኣንቢለን ንቓዛ ክኣትዋ ተፈቒዱለን ኣሎ። እተን ብመገዲ ግብጺ ኣቢለን ክሓልፋ ዝጽበያ ዝጸንሓ መካይን ጽዕነት እቲ ዘድሊ ፍቓድ ስለ ዘይተዋሃበን ንመዓልታት ክጽብያ ዝጸንሓ’የን።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት እተን ደው ኢለን ዘለዋ መካይን ሓገዝ ብህጹጽ ናብ ቓዛ ኣትየን ናይ ህይወት ኣድሕን ጽዕነተን ከብጽሓ ጸዊዑ ኣሎ።

“ኣብ ቓዛ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ብዘይ መድሃኒት፡ መግቢ፡ ማይን ነዳዲን ተሪፎም ምህላዎም ክንግንዘብን ብእኡ መጠን ድማ ዘድሊ ስጕምቲ ክንወስድን ግዜ ዘይህብ ጻውዒት’ዩ፡ ኢሉ ጉተረዝ።

ሕቡራት ሃገራት ነተን ብመሳግሮ ራፋ ኣቢለን ዝሓልፋ ዘለዋ መካይን ሓገዝ፡ ብመገዲ ቀይሕ ወርሒ ግብጺ ዘድሊ ናይ ጥንቃቐ ተፍትሽን ፍቓድን ክወሃበን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG