ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓማስ፡ ጂሆ ሒዙወን ዝጸንሐ ክልተ ኣመሪካውያን ለቒቑ


ናጻ ዝተለቐቓ ኣደን ጓልን ምስ ፕረዚደንት ባይደን ብስልኪ እናተዛረባ
ናጻ ዝተለቐቓ ኣደን ጓልን ምስ ፕረዚደንት ባይደን ብስልኪ እናተዛረባ

ድሕሪ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓያሎ ዜጋታት ጂሆ ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ሓማስ፡ ብዓርቢ ኣደን ጓልን ዝዀና ክልተ ኣመሪካውያን ዜጋታት ናጻ ለቒቑ ኣሎ። እቲ ጉጅለ ምኽንያት ናይቲ ናጻ መልቀቒ “ንሰብኣዊ ኩነታት”ን ነቲ ንእስራኤል ብምሉእ ሓይሉ ዝሕግዝ ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን መልእኽቲ ንምስዳድን ምዃኑ፡ ንወግዓውያን ምንጭታት እቲ ጉጅለ ብምጥቃስ ሮይተርስ ኣስፊሩ።

ጉጅለ ሓማስ ኣስታት 200 ዜጋታት ጂሆ ሒዙ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ እተን ናጻ ዝተለቐቓ ኣደን ጓልን ምስ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ዝሰርሓ ምንባረን ተመልኪቱ ኣሎ።

ነተን ዜጋታት ኣብ ምልቃቕ ቀጠር መሪሕ ተራ ከም ዝተጻወተት ኣፈኛ እቲ ጉጅለ ሓቢሩ። እስራኤል’ውን፡ ዝርዝር ደኣ ኣይትሃብ እምበር፡ ምልቃቕ ናይተን ክልተ ኣመሪካውያን ዜጋታት ኣረጋጊጻ ኣላ።

እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ ብዘይ ምቍራጽ ትድብድብ ምህላዋ ይፍለጥ። ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ብዘይ መንበሪ ምትራፎም ይገልጽ። ሰብ-መዚ ጥዕና ወሽመጥ ቓዛ ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ዝሞቱ ዘለዉ ሲቪላውያን ዜጋታት ካብ ግዜ ይውስኽ ከም ዘሎን ብሰንኪ እቲ መጥቃቲ ድማ ዛጊት ልዕሊ 13-ሽሕ ዜጋታት ምቝሳሎምን ሮስይተርስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG