ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈ-ጉባኤ ንምዃን ዝቀራረብ ዘሎ ጂም ጆርዳን ንሳልሳይ እዋን ኣይቀንዖን


ውድድር ንኣፈ-ጉባኤ ገና ኣብ መዓልቦ ኣይበጽሐን
ውድድር ንኣፈ-ጉባኤ ገና ኣብ መዓልቦ ኣይበጽሐን

ድሕሪ ምእላይ ኬቨን ማካርቲ ኣፈ-ጉባኤ ንምዃን ተሓጽዩ ዘሎ ካብ ኦሃዮ ዝተወከለ ጂም ጆርዳን፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዙር ምርጫ ኣይተዓወተን። ተሪር የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ምዃኑ ዝእመን ጆርዳን፡ 25 ኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካውያን ኣንጻሩ ስለ ዘድመጹ እቲ ዝድለ ኣሃዝ ንምርካብ ኣይበቕዐን። ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ኵላቶም ንሓኪም ጀፈሪ ድምጺ ክህቡ እንከለዉ፡ ክልተ መራሕቲ ተወዳደርቲ እቲ ዝድለ መጠን 217 ድምጺ ስለ ዘይረኸቡ ተዓዋቲ ኣይተፈልየን።

ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ምውሃብ ድምጺ ሰለስተ ኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካውያንን ኣቐዲሞም ድምጾም ንጆርዳን ሂቦም ዝነበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግን መርገጺኦም ምቕያሮም ተፈሊጡ።

ነቲ ጉባኤ ብግዚያውነት ዝመርሕ ዘሎ ፓትሪክ ማከነሪ ድማ ዕዉት ስለ ዘይተርኽበ ነቲ ርክብ ዓጽዩዎ።

ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ብድፍኢት ኣባላት ሰልፉን ድጋፍ ደሞክራሲያውያንን ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ እቲ ጉባኤ ብዘይ ቀዋሚ ኣፈ-ጉባኤ ክልተ ሰሙን የሕሊፉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሎሚ ዓርቢ ንባይቶ ኣመሪካ 106 ቢልዮን ዶላር ከጽድቐሉ ሓቲቱ ኣሎ። እዚ ባጀት መብዛሕትኡ ንዩክሬንን እስራኤልን ዝውዕል ምዃኑ’ዩ።

እንተዀነ ኣፈ-ጉባኤ ከይተመረጸ፡ እዚ ዝተባህለ ባጀት ክጸድቕ ኣይክእልን’ዩ።

ባይቶ ክሳብ 17 ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ሓደ መደምደምታ እንተ ዘይበጺሑ ዳግም ናብ ቅልውላው ምዕጻው መንግስቲ ክሽመመ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG