ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን፡ ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ እስራኤልን ዩክሬንን ምህላዋ ይገልጽ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ይሓትት


ፕረዚደንት ጆ ባይደን
ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብ ናይ እስራኤል ዑደቱ ድሕሪ ምምላስ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ እስራኤል ምህላዋ ገሊጹ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መግለጺኡ፡ ጉጅለ ሓማስን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ንህላውና ሰላምን ደሞክራሲን ዝዘርጉ ኣካላት’ዮም ክብል ጠቒሱ።

“ኣሸበርቲን ከምኦም ዝኣመስሉ ዘረግቲ ሰላምን ዝኾኑ ውልቀ-መለኽቲ፡ ኣብ እዋኖም እንተ ዘይተዓጊቶም ዝኸፍአ ከየውረዱ ከም ዘይዓርፉ ታሪኽ ምሂሩና’ዩ፡” ኢሉ ፕረዚደንት ባይደን ንመራሒ ሩስያን ጉጅለ ሓማስን ብምምልካት። ኣስዒቡ ድማ ኣመሪካ ነተን ቀንዲ መሓዙታ ዝኾና ሃገራት ኣብዚ ወሳኒ እዋን ክትሕዝግዘንን ኣብ ጎድነን ደው ክትብልን ጸዊዑ።

“ሕጂ ኣብዘን ሃገራት እንገብሮ ወፍሪ ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ውጽኢት ክንረኽበሉ ኢና፡” ኣስዒቡ ባይደን። መጠን ዝድለ ሓገዝ ግን ኣይጠቐሰን።

ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት፡ ንገለ ማዕከናት ዜና ከም ዝሓበሩዎ ግን እቲ ዝድለ ዘሎ መጠን ክሳብ 100 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ክም ዝኽእል ይዝረብ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደረኡ፡ ኣመሪካ ነታ ብ7 ጥቅምቲ ብጉጅለ ሓማስ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ 1400 ካብ ዜጋታት ዝተቐትላን ተወሳኺ ድማ 200 ዝበጽሑ ጅሆ ተታሒዙዋ ዘሎን እስራኤል ኣብ ጎድና ምህላዉ ደጋጊሙ ንህዝቢ ኣመሪካ ኣዘኻኺሩ። እስራኤል ድሕሪ ዝገበረቶ መልሰ-መጥቃዕቲ ድማ 3000 ሰባት ሞይቶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ድማ ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድየመር ዘለንስኪ ብሓሙስ ብቴለፎን ምዝዝራቡ ዘመልከተ ባይደን፡ “ፑቲን ንዩክሬን ክወራ ስቕ ኢልና እንተ ርኢና፡ ካልኦት ጎብጥትቲ ብተመሳሳሊ ክተባብዑ’ዮም፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG