ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚተ ሽልማት ኖበል ዕዉታት ኬሚስትሪ ኣፍሊጡ


ዕዉታት ዓውዲ ኬሚስትሪ ናይዚ ዓመት
ዕዉታት ዓውዲ ኬሚስትሪ ናይዚ ዓመት

ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ ኮሚተ ሽልማት ኖበል፡ ሎሚ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ፡ ኣብ በበይኑ ዩኒቨርስታትን ትካል ምርምርን ኣመሪካ ዝሰርሑ ሰለስተ ተመራመርቲ ኬሚስትሪ ዕዉታት ሽልማት ኖበል ናይዚ ዓመት ገይሩ ረቚሑ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኤምኣይቲ (MIT) ዝምህር ሞንጊ ባወዲ፣ ልዊስ ብሩስ ካብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርስቲን ኣለክሲ ኢኮሞቭ ካብ ናኖክርስትያል ቴክኖሎጂ’ዮም እቶም ናይዚ ዓመት ሰለስተ ዕዉታት እቲ ዓውዲ።

ከም መግለጺ ኮሚተ ሽልማት ኖበል እዞም ተመራመርቲ ኣብ ኳንተም ዶትስ (quantum dots) ዝተባህለ ደቂቕ ባእታ ብዝገበሩዎ ምርምራዊ ስራሓት’ዮም ነዚ ሽልማት በቒዖም። እቲ ናብ ሽልማት ዘብቅዐ ምህዞ፡ ካብ ቴለቪዥን ብርሃን ክህብ ዘኽእልን ሕብርታት ዝቐያይርን ምዃኑ ኣብ ገምጋም እቲ ኮሚተ ሽልማት ተመልኪቱ ኣሎ።

ዕዉታት ሓደ ሚልዮን ዶላርን ብ18-ካራት ወርቂ መዳልያን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝግበር ስነ-ስርዓት ክቕበሉ’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG