ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣመሪካ ከፊላዊ ዕጽዋ ኣወጊዱ፡ ድሕሪ 45 መዓልታት ግን ክርክር ክቕጽል’ዩ


ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኣመሪካ
ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኣመሪካ

ባይቶ ኣመሪካ ቀዳም ምሸት ብዝወሰዶ ውሳነ ነቲ ከንጸላሉ ዝጸንሐን ዘይተርፍ መሲሉ ዝተራእየን ከፊላዊ ምዕጻው መንግስቲ ኣውጊዱ ኣሎ። እቲ ንኽልተ ሰልፍታት ኣብ ተጻራሪ መንበር ኣቐሚጡ ዝጸንሐ ወጻኢታት መንግስቲ ብዝምልከት ክርክር “ስቶፕጋፕ” ብዝብል ዝተሰየመ እመም’ዩ ንዝመጽእ 45 መዓልታት ክቕጽል ተወሲኑ ኣሎ።

ተወካሎ ህዝቢ ኣብ ዝገበሩዎ ድምጺ ምሃብ 335 ብ 91 ድምጺ መንግስቲ ኣመሪካ ንዝመጽእ 45 መዓልታት ክፉት ኰይኑ ክጸንሕ ወሲኖም። ብሰልፊ ርፓብሊካን ዝዕበለል ተወካሎ ህዝቢን ባይቶን (ኮንግረስ) ነቲ እማመ ድሕሪ ምቕባሉ ድማ፡ ናብ ሰነትን ፕረዚደንትን ሓሊፉ ጸዲቑ ኣሎ።

ባይቶ ኣመሪካ ንዝመጽእ 45 መዓልታት ከፊላዊ ምዕጽዋ መንግስቲ ከወግድ ይኽኣል እምበር፡ ሕጂ’ውን ኣብ ዝቕጽል እዋናት ኣብ ሓደ ውሳነ እንተ ዘይበጺሑ፡ እቲ ከፊላዊ ናይ ምዕጽው ሓደጋ ክደግስ’ዩ።

ሰልፊ ደሞክራት በዚ ምቕጽል መንግስቲ ደገፎም ይገልጹ ኣለዉ። እቲ ኣብ ባይቶ ነዊሕ ከከራኽር ዝጸንሐን ካብቶም ቀንዲ ድርኺታት ምዕጻው መንግስቲን ዝዀነ ሓገዝ ንዩክሬን ክቕጽል ዘለዎ ተስፋ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተማሓጺኑ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ኣተዓራቒ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝበቕዐ ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲን ግን ካብቶም ዓቃባውያን ወገናት ሰልፊ ርፓብሊካን ተሪር ነቕፌታን ካብ ስልጣኑ ናይ ምውራድ ምፍርራን ይጎንፎ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG