ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት፤ 26 ኣባላት ፖሊስ ቆሲሎም


ኣባላት ፖሊስ ንተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል እናኣልገሱ
ኣባላት ፖሊስ ንተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል እናኣልገሱ

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ንምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት ጀርመን ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዓሰርታት ቆሲሎም። ቀዳም ቅድሚ’ቲ መደብ ምጅማሩ፡ ፖሊስ ጀርመን ኣስታት 200 ኢሉ ዝገመቶም ተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል ንምቍራጽ ድፍኢት ንምግባር ኣእማን፡ ጠራሙስን ኣባትርን ናብቶም ንውሕስነት ጸጥታ ዝከላኸሉ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ብምድርባይ፡ ብውሑዱ ን26 ኣባላት እቶም ናይ ሓለዋ ፖሊስ ከም ዘቝሰሉ እቲ ኣገልግሎት ዜና ጸብጺቡ። ሽዱሽተ ካብቶም ብዳርባ ዝተሃርሙ ኣባላት ፖሊስ ንዝያዳ ሕክምና ንሆስፒታላት ከም ዝተወስዱ ዘመልከተ ጸብጻብ ፖሊስ፡ ኣርባዕተ ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫልን ክልተ ካብቶም ተቓወምቲ ወገናት’ውን ምቝሳሎም ጠቒሱ ኣሎ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ ንጸብጻብ ሎሚ ሰንበት ወግዓዊ ዝኾነ ሓበሬታ ፖሊስ ብምጥቃስ፡ ፖሊስ ሽቱትጋርድ 228 ካብቶም ተቓወምቲን ናብ ፖሊስ መጥቃዕቲ ዘውረዱን ወገናት ኣሲሩ ኣሎ።

ኣብ ሽቱትጋርት ብምኽንያት ፈስቲቫልን ጽንብላትን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎ በዓልታት ዘጋጠመ ዝደሓረ ናይቲ ክኸይድ ዝኸረመ ሰንሰለታዊ ተቓውሞ ምዃኑ’ዩ።

ጸጥታ እቲ ፈስቲቫል ንምሕላው ኣስታት 300 ኣባላት ፖሊስ ተዋፊሮም ምንባሮም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ጠቒሱ። “ክንድኡ ዝመስል ዕግርግር፡ ብዓይነትን ድፍኢትን ግን ኣይተጸበናን፡” ኢሉ ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ሽቱትጋርት ዝኾነ ካርሰን ሆፍለር። እቲ ኮሚሽነር ነቲ ዘጋጠመ ናዕቢ ኮነኒ ኣሎ።

ኣማሓዳሪ ሽቱትጋርት ፍራንክ ኖፐር ብወገኑ፡ ንኸምኡ ዝመስል ህዝባዊ ምትእኽኻባት ክኽልክሉ ከም ዘይክእሉ ብምጥቃስ፡ ንኸምኡ ዝመስል ጎንጺ ዝበቅዕ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ግን ክሰርሑ ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ። እቲ ክውስደ ዝተባህለ ስጕምቲ ግን ኣይተመልከተን።

ኣብ ጉሰን ጀርመን ዝጀመረ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎ ፈስቲቫላት፡ ጸኒሑ ኣብ ስቶኮሎም፡ ሲያትል፡ ቶሮንቶ፣ ዝደሓረ ድማ ንጽንብል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝቃወም ማዕበል ኣብ እስራኤል ክከየድ ምጽናሑ ይዝከር።

መንግስቲ እስራኤል ነቶም ተሳተፍቲ እምባጋሮ ክትሰጉግ ምዃና ኣመልኪታ ነይራ’ያ። ዛጊት ግን ንደገ ወግዓዊ ዝኾነ ሓበሬታ የሎን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG