ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ብቐዳም ድሕሪ ዘጋጠመ ዕግርግር፡ ኣብቲ ህውከት ኢድ ነይሩዎም ዝብሎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ንምጥራዝ ካቢነኡ ይዝቲ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ዘጓነፈ ህውከት፡ ኣብ መንጎ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣሳሰር ጽንብል ዝኽሪ በረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝቃወሙን ዝድግፉን፣ ብቐንዱ ድማ ንምጥፍናስ ሓይሊ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ዝነበረ ህሞት 140 ሰባት ቆሲሎም። ካብ መንጎ’ቶም ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ይርከቡዎም።
ነቲ ጽንብል ዝቃወሙ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናብቲ ማእክል ንግዲ ተልኣቪቭ ዝዀነ ስፍራ ብእኩብ ድሕሪ ምውሓዞም፡ ፖሊስ ነቲ ምትእኽኻብ ሰልፊ ሕጋውነት የብሉን ብምባል ክብተን ኣዚዙ።
ንትእዛዝ ፖሊስ ዝተቓወሙ ተሰለፍቲ፡ ኣብ መንጎኦም ሓይሊ ጸጥታን ብዝተፈጥረ ጎንጺ፡ 49 ኣባላት ፖሊስ ከም ዝቖሰሉ ንምንጭታት ፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣስፊሩ። እቶም ተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል ብሓደ ወገን ምስ ፖሊስ ኣብ ዝተጋጨውሉ ድማ ኣብ ካልእ ወገን ቴልኣቪቭ ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ባእሲ ከም ዝነበረ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ 30 ምዃኖም’ዩ ጸብጺቡ ዘሎ።
ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝዘውር ዝነበረ ምስልታት፡ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ዝዀኑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ካብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ብኣማንን በትሪን ክተሃራረሙን ክዳረብዩን ይርኣዩ። ክልተ ወገናት፡ ኣብቲ ዓቢ እምባጋሮ ተዳልዮም ምምጻኦምን ንወገናቶም ዝውክል ማልያ ለቢሶም ምንባሮምን ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካፈል ዝነበረ ምስልታት ንምርኣይ ይከኣል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ “ቀይሕ መስመር” ሰጊሮም ክብል ገሊጹ።
ኣብ ናይ ሎሚ ሰንበት መግለጺኡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናታያሁ“እዚ ዘጋጠመ ናዕቢ’ዩ። ደም ምፍሳስን ናዕቢን ከኣ ኣይነፍቅድን ኢና። ነቶም ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ ቅልጡፍ ሕውየት ይምነየሎም፡ ነቶም ነቲ ጥፍኣት ዝፈጸሙ ግን ስጕምቲ ክንወስድ ኢና” ኢሉ ።
ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ እተጻሪ፡ ኣባላት ካቢነ ዝሓዘት ኮሚተ ቆይማ ኣላ።ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል “ኣብታ ኮሚተ፡ ንኣስታት ሽሕ ዝበጽሑ፡ ኣብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ናብ ሃገሮም ምጥራዝ ዝሓዘ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና፡” ኢሉ።
ናታንያሁ ኣስዒቡ፡ “ነቲ ስርዓት ዝድግፉ እንተዀኖም ስደተኛታት ክትብሎም ዝከኣል ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነቲ ስርዓት ይደግፉዎ፡” ኢሉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ እስራኤል 17,850 ምዝጉባት ሓተትቲ ዑቕባ ነይሮም። እቲ ኣሃዝ ክሳብ 30-ሽሕ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ግን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ።
ናይ ሎሚ ዓመት፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎ ፈስቲቫላት ወጻኢ፡ ኣብ በበይኑ ሃገራት ሰፊሕ ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ካብ ጊሰን ጀሚሩ፡ ብስቶኮሎም፡ ሲያትልን ቶሮንቶን ሕጂ ድማ ቴልኣቪቭ ናብ ኣካላዊ ጎንጺ ዘለዎ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ከስዕብ ጸኒሑ ኣሎ።
ቅጥዒ