ዋሽንግተን ዲሲ —
ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናጋጉዋ ንካልኣይን ናይ መወዳእታን ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን ዘመኖም ዳጊም ተመሪፆም። እዚ ውጽኢት ዕላዊ ዝኸውን ዘሎ ኣብታ ምርጫታት ስዒቡ ብህውከትን ምስሕሓብን እትፍለጥ ሃገር ትፅቢት ካብ ዝተገብረሉ ግዜ ኣቐዲሙ ብቐዳም እዩ ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ።
ምናንጋጉዋ ትማሊ ሰንበት ኣብ እዋን መላእ መስርሕ ምርጫ ንዘርኣዩዎ ሰላማዊ ስርዓት ንህዝቢ ዚምባብወ ኣመስጊኖም።
ወሃቢ ቃል ውድብ ዛኑ-ፒኤፍ ክሪስ ሙስቫንጓ እቲ ውድብ ምስ ናይ ምርጫ ስርዓት ‘’ባእሲ’’ የብሉን ተቓዋሚ ፓርቲ እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ክህሉዎ ኣለዎ ኢሉ።
መራሒ ተቓዋሚ ኔልሰን ቻሚሳ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ምርጫ ‘’ግሁድን ዓብይን ምትላል’’ ዝተርኣየሉ እዩ ክብሉ ትማሊ ሰንበት ከሲሶም።
ወሃቢ ቃል ዛኑ-ፒኤፍ ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ንዝቐረቡ ዓለምለኸ ነቐፌታታት ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካ "ናብ ኣተሓሳስባት ሃፀያዊ ግዝኣታት ዝመልሱሉ፡" እዮም ኢሎም።
ዓወት ምናንጓጉዋ ዛኑ-ፒኤፍ ንዝሓለፉ 43 ዓመታት ንዚምባብወ ተቖፃፂሩ ምቕፃሉ ዘረጋግፅ እዩ።
"ሓርገፅ" ብዝብል ሳጓ ዝፍለጡ ወዲ 80 ዓመት ምናንጋጉዋ 52.6 ምእታዊ ድምፂ ብምርካብ እዮም ተዓዊቶም።
ቅጥዒ