ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወጥሪ ክልል ኣምሓራ ይደግስ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ዝሓለፈ ቅነ ኣንፃራዊ ምርግጋእ ተራእዩዎም ዝነበሩ ገለ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ዕጡቓት መንግስትን ጉጅለ ፋኖን ዝካየድ ግጭት ዳግም ምቕፃሉ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ደብረ ማርቆስ፡ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተሰላም ከምኡ እውን ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ከተማ ደብረ ታቦር ካብ ቐዳም ጀሚሩ ቶኽሲ ከምዘሎን ቍጽሮም ወግዓዊ ዘይኰነስ ሰባት ከምዝተቐተሉን ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ጠቕላሊ እዚ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላም ምስፋኑ ኣፍሊጡ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንሰሙናት ዝዘለቐን ኣብ ዓበይቲ ከተማማ ሓዊሱ ዝተኻየደ ግጭትን ናብ ምርግጋእ ምምላሱ ገሊፁ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG