ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ስእሊ፡ ትራምፕ ልዕሊ 7 ሚልዮን ንወፍሪ ምርጫ ኣዋህሊሎም


ኣብ ቤት ፍርዲ ጆርጂያ ዝተላዕለ ስእሊ ትራምፕ
ኣብ ቤት ፍርዲ ጆርጂያ ዝተላዕለ ስእሊ ትራምፕ

ኣብ 2020 ኣ/ፈ ንዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምፍራስ ፈቲኖም ብዝብል ዝተኸሰሱ ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ከባቢ ፉልተን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኢዶም ምስሃቡን ኣብ ታሪኻ ፕሬዝዳንት ነበር ኣሜሪካ ብፖሊስ ፎቶ ምስ ተልዓሉን፡ ናይ ምርጫ ወፍሮም ካብ ሓሙስ ጀሚሩ 7.1 ሚሊዮን ዶላር ኣኪቡ።

ወሃቢ ቃል ናይቲ ወፍሪ ስቲቨን ቸውንግ ከምዝገለፁዎ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራሕ እቲ ወፍሪ 4.18 ሚሊዮን ዶላር ረኺቡ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓደ ማዕልቲ ካብ ዝተኣከበ እቲ ዝለዓለ ገንዘብ እዩ።

እዚ ዝሕብሮ እቲ ክሲ ንወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ክንደይ ይጠቕሞ ከምዘሎ እዩ።

እቲ ኽሲ ትራምፕ ኣብ ናይ ርፓብሊካዊያን መባእታዊ ምርጫ ንድሕሪት ክጎሶም ኣይክኣለን። ብመሰረት መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ እቶም ፕሬዝዳንት ነበር ንመናሓንሕቶም ካብ 30 ክሳብ 50 ብዝኾነ ነጥቢ ይመርሑዎም ኣለዉ።

ናይ ትራምፕ ፖለቲካዊ ስርሒት ንዝቐረቡዎም ኣርባዕተ ክስታት ንምክልኻል ዓሰርተታት ሚሊዮናት ዶላር የቃፅል ኣሎ። ፋይናንሳዊ ፀብፃብ ናይቲ ወፍሪ ከምዝሓበሮ ትራምፕ ኣብ መጀመሪያ ርብዒ ዓመት 2023 ኣ/ፈ 53 ሚሊዮን ዶላር ዝኣከቡ ክኾኑ ከለው ፖለቲካዊ ኮሚቴታቶም ካብ ጥሪ 2021 ኣ/ፈ ኣትሒዙ ንልዕሊ 100 ጠበቓታትን ናይ ጥብቅና ትካላትን እንተወሓደ 59.2 ሚሊዮን ዶላር ከፊሎም ኣለው።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG