ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ማይ ኒል ዳግማይ ዘተ ጀሚረን


ስእሊ ፋይል-- ንሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሰሓሕብ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣብ እዋን ምስራሕ
ስእሊ ፋይል-- ንሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሰሓሕብ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣብ እዋን ምስራሕ

ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ግብጺን ሱዳንን ትማሊ ሰንበት ኣብ ጉዳይ ማይ ፈለግ ኒል ኣመልኪተን ዘተ ምጅማረን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። እዚ ዝርርብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መራሕቲ ሃገራት ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ሓደ ሓቛፊ ነጥብታት ክበጽሑ ድሕሪ ምስምማዖም’ዩ።

ነዚ ዝተሓደሰ ዘተ ኣመልኪቱ መብርሂ ዝሃበ ሚኒስተር መስኖ ግብጺ ሃኒ ሰዊላም፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ካይሮ ይቃናዕ ምህላዉ ሓቢሩ። እቲ ሚኒስተር ዝርዝር ናይቲ ከይዲ ኣይሃበን። ኣብቲ ዘተ ሓያሎ ቴክኒካዊን ሕጋዊን መደያት ይዝረበሉ ከም ዘሎ ግን ጠቒሱ።

85% ማይ ፈለግ ኒል ካብ ኢትዮጵያ ዝምንጩ ኰይኑ፡ ኣብተን ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ብዛዕባ ምምላእ ዓቢ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣመልኪቱ ነዊሕ ከዘራረብ ጸኒሑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG