ዋሽንግተን ዲሲ —
ነበርቲ ርእሰ ከተማ ቡርኪና ፋሶን ርፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪካን ትማሊ ሓሙስ ሞት መራሒ ጉጅለ ቫግነር ይቭገኒ ፕሪጎዥን ዝገልፅ ዜና ድሕሪ ምስመዖም እቲ ዞባ ምስ ሩስያ ዘለዎ ርክብ ካብ ንሓደ ውልቀ ሰብ ዝህልዎ ተኣማንነት ዝበለፀ ብምዃኑ ኣነፂሮም።
ሽምን ፅልዋን ፕሪጎዥን ኣብ መላእ ኣፍሪካ ሰፊሕ ተቀባልነ ረኺቡ ፀኒሑ እዩ። ደገፍቲ ኣተሓሳስባታት ቫግነር ዘበገስዎ ተቓውሞ ኣብ ማሊ፡ ቡርኪና ፋሶን ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ኒጀር ዝተኻየዱ ዕልዋ መንግስትን ኣንፃር ምዕራባውያን ተቓውሞታትን መርኣያታቱ እዮም።
ፕሪጎዥን ሩስያ ንክረምያ ካብ ዩክሬይን ድሕሪ ምሕዳጋ ኣብ 2014 ናይ ውልቀ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምጥያሹ ኣብ መስከረም 2022 ኣሚኑ እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ ሊብያ፣ ሶርያ፣ ርፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪካን ማሊን ካብተን ዝተዋግአለን ሃገራት ውሽጢ ሙዃነን ኣብቲ እዋን ገሊፁ ነይሩ።
ሰባት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ጎደናታት ባንጒን ኦጋድጉን ወፂኦም ብሕልፈት ፕሪጎዥን ዝተሰመዖም ሓዘን ድሕሪ ምግላፅ ጉጅለ ቫግነር ስራሑ ዘቀፅል ቅልጡፍ መተካእታ ክገብር ትፅቢት ከምዝገቡሩ ገሊፆም ይብል ካብ ሮይተርስ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ።
ቅጥዒ