ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኣምሓራ ሓድሽ ኣማሓዳሪ መዚዛ 


ኣቶ ኣረጋ ከበደ
ኣቶ ኣረጋ ከበደ

ካቢነ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ህጹጽ እዋን ርክብ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኮይኖም ንኽሰርሑ ከም ዝመዘዘ ወግዓውያን ምንጭታት እቲ ክልል ኣፍሊጦም። እቲ ባይቶ ሎሚ ኣብ ዝተኣከበሉ ንወግዓዊ ምሕዳግ ስልጣን ኣማሓዳሪ ነበር ይለቃል ከፋለ ኣፅዲቑዎ ኣሎ። ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኰይኖም ከገልግል ዝፀንሑ ይለቃል ከፋለ ብምኽንያት ጥዕናን ጉዳይ ስድራቤትን ካብ መዝነቶም ክለዓሉ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ወግዓዊ ናይ ስራሕ መፋነዊ መመልከቲ ኣእትዮም ምፅናሖም ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።

ሓድሽ ርእሰ ምምሕዳር ኮይኖም ዝተመዝዙ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ስጋብ እዚ ዕለት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፈጠራ ስራሕን ስልጠናን ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ከገልግሉ ፀኒሖም እዮም። ደረጃ ትምህርቶም ብልምዓታዊ ምምሕዳር ቀዳማይ ዲግሪ ዘለዎም ኮይኑ ኣብ ናይ'ቲ ክልል ዝተፈላለዩ ብርኪ ሓላፍነት ዝሰርሑ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG