ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማዊ፤ ዝርዝር ደሃይ ዘጥፍኡ 388 ዜጋታት ኣፍሊጣ


ኣስማት ዝጠፍኡ ሰባት ዝሕብር ምልክታ
ኣስማት ዝጠፍኡ ሰባት ዝሕብር ምልክታ

ኣብ ክፍለ-ሃገር ሃዋይ እትከብ ወረዳ ማዊ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍለ ዘበን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ዘጓነፋ ዝኸፍአ ምዃኑ ኣብ ዝተነግረሉ ባርዕ ሓዊ፡ ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍኡ 388 ሰባት ዝርዝር ሽማት ኣፍሊጣ።

"ዝርዝር ሽም ምጥቃስ ቀሊል ኣይኮነን፡ ግን ግልጽነት ክህሉወና ስለዝግባእ እዩ፡" ይብል ሓላፊ ፖሊስ ማዊ ጆን ፐልትየር።

ናይ ሓደ ሰብ ሽምን ሽም ኣቦን ምስ ዝርከብ ተቐባልነት ረኺቡ ሃለዋቱ ዝጠፍአ ተባሂሉ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ከም ዝግበር’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ ተባሂሉ ሪፖርት ካብ መንጎ ዝተገብሩ ሰባት፡ እቶም 1700 ከምዝተረኸቡ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቒሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG