ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐለ፤ ኣብ እንዳ መስተ ብዝተተኰሰ ቦምባ 4 ሞይቶም፡ 20 ቆሲሎም


መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ባር
መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ባር

ትማሊ ሓሙስ 18 ነሓሰ 2015 ዓመተ ምህረት (24 ነሓሰ 2023) ለይቲ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ሓደ ማእከል መዘናግዒ ብዝተደርበየ ቦምባ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 20 ድማ ምቝሳሎም ንምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ ናይ መቐለ ወኪልና ኣፍሊጡ። ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ወልዳይ ማውጫ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፡ እቲ ቦምባ ዝደርብየ ሰብ ምስ ኣፍቃሪቱ ብዝነበሮ ውልቃዊ ምስሕሓብን ቅንኢ ዝፈጠሮ ነዲርን’ዩ ነቲ ተግባር ፈፂሙ።

ካብቶም ንመወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዝተስዱ 20 ውጉኣት፡ እቶም ሓሙሽተ ብኸቢድ ምቝሳሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዜጋ፡ ካብቲ ቦታ ቀልጢፉ ከም ዝተሰወረ ዝሓበሩ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ክሳብ’ዚ ዜና ዝለኣኽ ዛጊት ኣብ ቀይዲ ከም ዘይወዓለ ፖሊስ ንድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG