ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣብ ትግራይ ንዓሰርተ መዓልታት ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበትን ፍተሻ ሕማማትን ከምዝተኻየደ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ።
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ርእየ ኢሳያስ ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ሎሚ ሓሙስ ዝተዛዘመ እዚ ወፍሪ ክታበታት ኮቪድ 19፣ ፀረ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀንን ከምዝተኻየደ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ንህፃናት ክታበት ኣብቲ ወፍሪ ከም ዝተወሃበ ዝገለፁ ኮይኖም፡ ገዛ ንገዛ ብዝተኻየደ ፍታሻ ድማ ብኣሻሓት ዝቑፀራ ሙልቆ ማህፀንን ሕማም ፌስቱላን ዘለዎን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተረኸባ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ንህፃናት ክታበት ኣብቲ ወፍሪ ከምዝተወሃበ ዝገለፁ ኮይኖም፡ ገዛ ንገዛ ብዝተኻየደ ፍታሻ ድማ ብኣሻሓት ዝቑፀራ ሙልቆ ማህፀንን ሕማም ፌስቱላን ዘለዎን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተረኸባ ተሓቢሩ።
ቅጥዒ